Category: ኣህጉራዊ ዜና
ኣልሸባብ፣ ሰዓብቱ ኣብ ጂቡቲ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸዊዑ
Radio Erena: 30 March 2021
ኣልሸባብ፣ ሰዓብቱ፣ ኣብ ጂቡቲ መጥቃዕቲ ከካይዱ፣ ሓላፊ ናይቲ ጉጅለ፣ ኣሕመድ ድርየ ጸዊዑ።
እቲ ብኣሕመድ ዑመር ኣቡ ዑበይዳ ዝፍለጥ መራሒ፣ ብ27 መጋቢት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ [...]
ፈረንሳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ናይ ዝተፈጸመ ጃምላቂ ህልቂት፣ ንምግትኡ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳ ሓላፍነት ተሰኪማ
Radio Erena: 30 March 2021
ፈረንሳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ንዝይ ተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት፣ ንምግትኡ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳ ሓላፍነት ተሰኪማ።
እዛ ኤውሮጳዎት ሃገር ነዚ ሓለፍነት ከምእትስከም ዘፍለጠት [...]
ሶማል፣ ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ 15 ኣባላት ፓርላማ ደስኪሎም
Radio Erena: 29 March 2021
ኣብ ሶማል፣ ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ተኸሲቱ ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ፣ 15 ኣባላት ፓርላማ ከምዝደስከሉ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ሓቢሩ።
ንሳቶም፣ ብኣፈኛ እቲ ፓርላማ፣ መሓመድ ሙርሳ [...]
ኢትዮጵያ፣ ‘’ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ’ያ’’
Radio Erena: 28 March 2021
ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ምዃና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ መሬት ትግራ [...]
ባንኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ዕዳ ከቃልሎ’ዩ
Radio Erena: 28 March 2021
ባንኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝጸንሐ ፋይናንስያዊ ዕዳ ከቃልሎ ወሲኑ።
መንግስቲ ሱዳን ብዓርቢ 26 መጋቢት ብቴለቪዥን’ታ ሃገር ዘመሓላለፎ ናይ ሓጎስ መግለጺ፣ ዝምድና ሱዳንን ባንኪ ዓለምን [...]
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዶባ ተዋፊሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ
Radio Erena: 26 March 2021
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዶብ ተዋፊሩ ከምዘሎ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቓስ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ሓቢሩ።
[...]
ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ሽሕ ዝግመት መውጋእቲ ወትሃደራት ከምዘጋጠማ ምንጭታት ሓቢሮም
Radio Erena: 26 March 2021
ኣብ ትግራይ፣ ካብ 4 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ዝሳተፋ ዘለዋ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራታት የጋጥመን ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታ [...]
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሱም ጃምላዊ ህልቂት ሰለማዊ ህዝቢ ፈጺሙ፣ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ
Radio Erena: 25 March 2021
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፣ ናብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ጃምላዊ ህልቂት ፈጺሙ ክብል፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብረቡዕ 24 [...]

ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ፣ ንሽምግልና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ
Radio Erena: 25 March 2021
ሱዳን፣ ብዛዕባ'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝቐረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ።
[...]
ኣብ ኮንጎ -ብራዛቪል፣ ን36 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ
Radio Erena: 25 March 2021
ኣብ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ን36 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ንራብዓይ እዋኑ ከምዝተዓወተ ተሓቢሩ። [...]