ኤርትራ፣ ህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ኣባላት ሚ/ዜና ተኣሲሮም

ኤርትራ፣ ህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ኣባላት ሚ/ዜና ተኣሲሮም

Radio Erena: 28 March 2018

MOI

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፣ ኣዳላዊ ዓምዲ ገጻት ህይወት፣ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ስነ ጽሑፍን ግጥምን ካብ ዝነጥፉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፣ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ ኣኽርያ፣ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ (እንዳ እስታዝ በሽር)፣ ኣባል ኮሚተ ወለዲ ስለ ዝነበረ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ጽልዋ ኔርዎ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ጥርጣረ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይካ ንህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፣ ንዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብቛንቋ ዓረብ (ኤሪትርያ ኣልሓዲሳ) መሓድኑር ኣሕመድን’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣሲሮሞ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የመልክቱ።

 

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0