ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ህግደፍን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም  መርማሪት ኮሚሽን ኣረጋጊጻ

ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ህግደፍን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም መርማሪት ኮሚሽን ኣረጋጊጻ

Radio Erena: 08 June 2016

CIO

መርማሪት ኮሚሽን ሎሚ 8 ሰነ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላው ኣረጋጊጻ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረበቶ 26 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ፍርሒ ምፍጣር፣ ንዜጋታት ብዘይፍርዲ ምእሳር፣ ሃለያቶም ከምዝጠፍእ ምግባር፣ ባርነት፣ ጾታዎ ዓመጽን ካልእ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ይፍጽም ምህላዉ ምስ መርትዖታት ኣሰንያ ኣቕሪባ ኣላ።

ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ሕሉፍ ምልኪ ነጊሱ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ድማ ንዜጋታት እታ ሃገር ግዳያት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ከምዘቃልዖም ኣስሚርሉ።

 

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ማይክ ስሚዝ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣ መግለጺ’ውን፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንዝፍጽሙ ኣካላት ዝሓተት ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ኤርትራ ብዘይምህላዉ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ሓላፍነት ብምውሳድ፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ይጠልብ።

ዜጋታት ኤርትራ ብሰንኪ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ይኹን ዝተፈልየ ሃይማኖት ግዳያት ማእሰርቲ፣ ስቃይን ሞትን ይኹኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ከም ውጽኢቱ ኤርትራውያን ብብዝሒ ከምዝስደዱ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፣ 47, 025 ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዘረጋገጸ መግለጺ እቲ ኣቦ መንበር፣ ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታቱ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ዕስክርና ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ሰነ 2015 ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ካብ ዝተሓበረሉ ንደሓር’ውን ዝኾነ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተራእየ እቲ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ።

እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጽሙ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ህግደፍን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ምዃኖም ብጽኑር ኣስፊራ ኣላ።

እታ ኮሚሽን መዝገብ ናይቶም ኣብዚ ገበን እዚ ኢድ ዘለዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ’ውን ኣዳልያ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ዝርዝር ኣስማቶም ብምስጢር ተታሒዙ ንዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ክርእይዎ ዝፍቐድ ምዃኑ ገሊጻ።

እዚ ጸብጻብ ኣብ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋባእ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ዘተ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ውሳኔ ክወሃበሉ’ዩ።

መርማሪት ኮሚሽን ኣብ 13 ሃገራት ብምዝውዋር ካብ 833 ሰባት ቃለ መጠይቕን ናይ ጽሑፍ ሰነዳትን ብምእካብ ንጸብጻባ ከምዘዳለት ትጠቕስ።

ንጸብጻብ እታ ኮሚሽን ዝቓወም 45, 000 ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከምዝበጽሓ’ውን ሓቢራ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0