ግብጺ ሓዳስ መናሃርያ ስደተኛታት ኤርትራ ትኸውን ምህላዋ ተገሊጹ

ግብጺ ሓዳስ መናሃርያ ስደተኛታት ኤርትራ ትኸውን ምህላዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 08 June 2016

Cairo

ግብጺ ሓዳስ መናሃርያ ስደተኛታት ኤርትራ ናብ ኤውሮጳ ትኸውን ምህላዋ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ካብዚ ሓጺር እዋን ኣትሒዙ ጥራይ ኣብ ከተማ ካይሮ፣ ዓርደለዋ ዝተባህለ ከባቢ፣ ደቆንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም ብዝሒ ዘለዎም ሓድስቲ ኤርትራውያን ይቕመጡ ምህላዎም እቲ ማዕከን ዜና ብ6 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት፣ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ሓድሽ መንገዲ እናመረጹ ንኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ሱዳንን ሊብያን ናብ ግብጺ የስግርዎም ምህላዎም’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

 

መንግስቲ ግብጺ በዚ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ሻቕሎት ሓዲርዎ ብምህላዉ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምርድዳእ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምክይዳ ይርከብ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ግብጺ እናገነነ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ሶማልን ዝርከብዎም 188 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ናብ ኢጣልያ እናተበግሱ ብ4 ሰነ ከምዝተታሕዙ ይዝከር።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኤርትራ ናይ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ሚኒስተራት ኣብ ግብጺ ከተማ ሸርም ሸኽ ብምርኻብ፣ ብደረጃ ኾሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ተኽእሎታት ከምዝተዘተዩ ተገሊጹ’ዩ።

ግብጺ’ውን ኣሰር ሱዳን ብምኽታል ዝቐየደቶም ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ከይትጥርዝ ስግኣት ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0