BREAKING: ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ተዓዋቲ መበል 15 ዙር ርዋንዳ ኮይኑ

Radio Erena: 26 February 2023

Photo: Tour du Rwanda

መበል 15 ዙር ርዋንዳ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ፖል ካጋመ ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ሎሚ ሰንበት 26 የካቲት 2023፡ ብዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም Green Project-Bardiani CSF-Faizanè ሄኖክ ሙሉብርሃን ተፈጺሙ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ 75.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ መዛዘሚ መድረኽ፡ ሄኖክ ነታ ለቢስዋ ዝኣተወ ብጫ ማልያ ኣብ ርእሲ ምዕቃቡ፡ ናይ’ዚ ዕለት ተዓዋቲ ብምዃን’ውን ድርብ ጋማ ኣሲሩ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ክለብ Bike – Aid ዳዊት የማነ ብወገኑ፡ ውድድር ክዛዘም ሒደት ኪሎ ሜትራት ምስ ተረፎ ሓያል መጥቓዕቲ ብምግባር ነዊሕ ተፈንቲቱ ናብ ዓወት ተገማጊሙ’ኳ እንተነበረ፡ ንበዓል ሄኖክ ዝሓዘት ጉጅለ፡ ኣብ ኣጋ መፈጸምታ ስለ ዘርከበቶ ግን፡ 6ይ ደረጃ ሒዙ ወጽዩ።

ሄኖክ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ኣፍሪቓ’ውን ንኻልኣይ ዓመት ኣከታቲሉ ጐብለል ኣፍሪቓ ከም ዝኾነ ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0