Article:- ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ኣብ ኣስመራ፣ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዶ ወይስ ካዝና ህግደፍ ንምድንፋዕ?

ኣብ ኣስመራ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ቅድሚ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ዝተኻየደ ኵናት ብሰምበል ኮምፕሌክስ ሃውሲንግ ዝፍለጥ ብናይ ኮርያ ኩባንያ ኪንግናም ዝተሳለጥ ፕሮጀክት ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ቅድሚ 16 ዓመታት ኣብ ዝነበር ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይትን እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ፕሮጀክትን ግና ብኩነታትን ክውንነትን ኣዝዩ ዝተፈላለየ’ዩ።

ንምንጽጻሩ ጥራይ እኳ እንተራእዩ፣ ነቲ ናይ 1996 ዝነበረ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ሰምበል፣ ኮርያዊ ኩባንያ ህንጻ ኪንግናም ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ፣ ብመሰረት እቲ ዝኣተዎ ውዕል ድማ በቲ ዝመደቦ ግዜ ህንጻታቱ ከምቲ ዝግባእ ወዲኡ ዘረከበ’ዩ።

እዚ ሕጂ መን ክሕዞ ምዃኑ ብግሉጽ ዘይተሓበረን ብትሒም ትሒም ኢጣልያዊት ኩባንያ’ያ ክትኮናተሮ ዝብሃል ዘሎ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ኣስመራ ኸ ከምቲ ናይ ኪንግናም ኣሳልጦ ክህልዎ ድዩ? ነዚ ንግዜኡ ንጎኒ ኣወንዚፍና? ናብቶም ናይ ምዕዳግ ተኽእሎ ዘለዎ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ፈጢርዎ ዘሎ ካልእ ሻቕሎታት እንተድሃብና ኸ? መንግስቲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ንልዕሊ 10ታት ሸንኮለል ከብሎም ድዩ ወይስ ከምቲ ዝብሎ ዘሎ ኣብ ሰልስተ ዓመት ወዲኡ ከረክቦም’ዩ። ደገፍቲ መንግስቲ ነዚ ነጥቢ’ዚ ከልዕሉ ዝድርኾም ዘሎ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮም እምነት ካብ ምጥፋእ ዝተላዕለ ሻቕሎት’ዩ።

ብመጀመርያ ዋጋታት እቲ ንዕዳጋ ቀሪቡ ዘሎ ኣባይቲ ብመንጽር እቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብር ህዝቢ እንተተራእዩ ርትዓዊ’ዩ ክብሃል ይከኣል። ነቲ ብመንበሪ ኣባይቲ ኣብ ጸገም ወዲቑ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ግና ብመሰረቱ’ውን ዝምልከቶ ኣይኮነን።

ንኣብነት እንተወሲድና እታ ዝተሓተ ዋጋ ተተሚኑላ ዘሎ መንበሪ ቤት እንተርኢና 30 ትርብዒት ሜትሮ ኮይና፣ ብናይ ኤውሮጳ መለክዒ ተሰሪሓ ኣብ ውሽጣ ክሽነ፣ ዓይኒ ምድርና መሕጸቢ ሰብነትን ዘጠቓለለት’ያ። ዐፍሽ መፍሽ መቐመጢ ዝኸውን መኻዚኖ’ውን ኣብ ትሕቲ’ቲ ዝህነጽ ህንጻ ኣለዋ።  ባንክ ኣባይትን ንግድን ኤርትራ ነዛ መንበሪ ክፍሊ እዚኣ ሰሊዕዎ ዘሎ ዋጋ 18ሽሕ ኤውሮ’ዩ። 18 ሽሕ ኤውሮ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ብገምጋም ዓመታዊ እቶት ናይ ሓደ ትሑት ክፍሊት ዘለዎ ሰራሕተኛ’ዩ። ስለዚ ብመንጽር ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ዋጋታት እዛ ክፍሊ እዚኣ ርትዓዊ ዋጋ’ዩ ዘለዋ።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግና 18 ሽሕ ኤውሮ ናይ ክንደይ ዓመት እቶት’ዩ ክኸውን ከምዝኽእል ባዕልኻትኩም ገምግምዎ። ሓፈሽእዊ ስእሊ ንኽህልወና ግና ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ሚእቲ ኤውሮ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ 5500 ናቕፋ’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ። ስለዚ 18 ሽሕ ኤውሮ ማለት ክሳብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ምዃኑ’ዩ። ብሕጋዊ ሸርፊ ናይ ባንክ እንተኽድና’ውን 18 ሽሕ ኤውሮ 324 ሽሕ ናቕፋ’ዩ። ሓደ ሚልዮን ይኹን 324 ሽሕ  ናቕፋ ንሓደ ኣብ ወርሒ ካብ 600 ክሳብ 1200 ናቕፋ ዝደሞዙ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ክንደይ እዋን ከዋህልሎ ይኽእል?

ናይቲ ዝኸበረ ዋጋ ተተሚንዎ ዘሎ ናይ ስድራቤታት መንበሪ ቤት እንተርናዮ ድማ 113 ሽሕ ኤውሮ ኮይኑ ብናቕፋ ንምግማቱ ድማ በቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ንሓደ ሚእቲ ኤውሮ ብ5500 ምርባሕ ይኽእል’ዩ።

ስለዚ እቲ ጸግም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝብሃል ዘሎ ነጥቢ ብመንጽር እዚ ጥራይ እንተርኢና’ዮ’ውን እቲ መልሲ ከነጽረልና ይክእል’ዩ። እተን ብመንበሪ ኣባይቲ ኣብ ጸገም ወዲቐን ዘለዋ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ስድራቤታት ካብ ሓደ ክሳብ 6 ሚልዮን ናቕፋ ከፊለን መንበሪ ኣባይቲ ንምዕዳግ ዘኽእለን ዓቕሚ ኣለወን ድዩ?  ክንድኡ ዝኣክል ናቕፋ ኣዋህሊለን እንተዝኾና’ውን እቲ መምርሒ ብኤውሮ ጥራይ’ዩ ዝኽፈል ስለዝብል ፣ ዘለወን ናቕፋ ናብ ኤውሮ ምቕያር ከድልየን’ዩ። ብሓጺሩ ሰብ ናቕፋ ተኣለዩልና ሰብ ኤውሮ’ዮም ዘድልዩና ‘ዩ ዝመስል እቲ መልእኽቲ።

ስለዚ ብመሰረቱ፣ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቕላል ተባሂሉ ዝዝረብ ዘሎ፣ ኤውሮ ንምእካብ’ዩ ዝብል መግለጺ ስለዘሕፈሮም ጥራይ’ዩ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኤውሮ ዝዕድግዎ ገዛውቲ፣ በቲ ሓደ ካዝና መንግስቲ የሰሰን በቲ ካልእ ድማ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ስድራቤታቶም መጸግዒ ይኾኖም ንዝብል ‘ውን ምስቲ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ኢና ንኣምን ዝብል መግለጺ መንግስቲ ህግደፍ ዝጋጮ’ዩ። መንግስቲ ንናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ጽግዕተኛይ ንኸይከውን ርእሰ ምርኮሳ እናበለ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ስድራቤታት ግና ጽግዕተኛ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝርከቡ ወገናትን ክኾና’ዩ ዝደፋፍአን ዘሎ።

ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ወይ ድማ ቀረባ ዘምድካ ብኤውሮ ዝዓደጎ መንበሪ ኣባይቲ እንተፈተወ ከቐምጠካ እንተጸልእ ድማ ማዕጽኡ ክዓጽወልካ ካብዚ ዝብእስ ጽግዕተኛ ምዃን ኣበይ’ዩ ክህሉ። እዚ’ውን ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤት ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ዘለዎም ደገፍቲ ህግደፍ እምበር ነቶም ወልሓንቲ ናይ ግዳም ሓገዝ ዘይብሎም ስድራቤታት’ሲ እንኮ ፍታሕ ኣብ ዘይርከቦ ፖሊስ ክራይ ኣባይቲ ዕንክይክይ ካብ ምባል ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። ወይ ድማ ከምቲ ሓደ እዋን ሰበ ስልጣናት መንግስትና ዝብልዎ ዝነበሩ ኣብ ከተማ ክቕመጥ ዓቕሚ ዘይብሉ ናብ መበቖል ዓድታቱ ናብ ገጠራት ክኽይድ’ዩ ክምከሮ። ግርም ምኽሪ’ዩ ኣብ ገጠራት’ውን ንኽትነብር ዘኽእል ባይታ እንተሎ ማለት’ዩ።

እዚ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቕላል ብኤውሮ ጥራይ መንበሪ ኣብይቲ ምግዛእ ይከኣል’ዩ ዝብሃል ዘሎ ካልእ ከልዕሎ ዝግባእ ነጥቢ’ውን ኣሎ። እዚ ኣባይቲ እዚ ብናይ መን ኩባንያን ብናይ መን ጉልበትን ‘ዩ ክዕየ?

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፣ ኪንግናም ኣብ ዝሃነጾ ፕሮጀክት ኣባይቲ ንክንደይ ዝኣክል ላምፐን መንእሰይ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ምንባሩ ንዝንግዖ ኣይኮናን። ንኣሽሓት መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ከፊቱ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ሞያን መነባብሮን ዕብየት’ውን ከምዘርእዩ ጌሩ’ዩ። እንዳኮርያ ዘይሰርሐን ብመንገዱ ድማ ሞያዊ ዓቕሙን መነባብሮ ስድራቤታቱን ዘየዕበየ መንእሰይ ኣስመራ ዳርጋ ኣይነበረን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ፕሮጀክት ኪንግናም ናብ ከተማ ባጽዕ ግዒዙ’ውን ተመሳሳሊ ተሞክሮ’ዩ ኣርእዩ።

ድሒሮም ኣብ ዝመጹ ከም ሰገን ዝኣመሰሉ ብኩባንያታት ህግደፍ ኣብ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ቦንድ ከምኡ’ውን ምህናጽ ኣባይቲ ንተጋደልቲ ግና ንመንሰያት ኣይኮነን ዶ መነባብርኦም ከዕብዩ ክሕግዞም፣ ኣብ ባርነት ከምዘለዉ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዖም’ዩ ናይ ጎልበት ምዝመዛ ኣካይድሎም። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ገንዘብ ስለዘለቕሕዎ እሞ፣ መንግስቲ ድማ ነቲ ገንዘብ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ስለዝሓጸሮ ዝተኣታተወ ሜላ’ዩ ኔሩ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ቦንድ። እዚ ብመሰረቱ’ውን ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቕላል ተባሂሉ ዝተሓስበ ስለዘይነበረ፣ እቲ ክዛዘም ዕድል ዝረኸበ ኣባይቲ’ውን እንተኾነ ዘቓለሎ ጸገም የለን። እቲ ዝበዝሐ ብቦንድ ዝተዓደገ መሬት ግና ኣብዚ 10 ዓመቱ ገና’ውን መሰረት ኣይተገብረሉን።

ሰበ ስልጣንን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን በብቕልጽሞም ወይ ድማ ብቕልጽም ኣያታቶም ቪላታትን ኣፓርትመንታትን ክማስሑ እንከለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ተጋደልቲ ምዕዝምዛማት ስለዘስምዑ ናብ ተቓውሞ ከየምርሕ ተባሂሉ፣ በብግድምንኦም ተመዚኖም መንበሪ ኣባይቲ ክስርሓሎም ምዃኑ ዝተኣተወ መብጽዓታት’ውን እቲ ዝበዝሕ ኣብ ማይ ሑጻ ዝተታሕዘ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ክሳብ እዚ እዋን እዚ 10 ዓመቱ ሓሊፉ ተዛዚሙ ናብቶም መብጽዓታት ዝተኣትወሎም ተጋደልቲ ክርከብ ኣይከኣለን። ስለዚ እዚ’ውን ክሳብ እዚ ሰዓት እዚ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምፍታሕ ዝኾነ እጃም የብሉን።

እዚ ሕጂ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቕላል ዝብሃል ዘሎ ብኤውሮ ጥራይ ከምዝዕደግ ዝተገልጸ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ሰምበል፣ ሓሊበትን ስፔስ 2000ን ከኣ ደኣ ብኸመይ’ዩ ነቲ ጸገም ከቓልል፣ ጭቡጥ መረዳእታ ዘለዎ ከቕርብ ይኽእል’ዩ። ብቐንዱ ኸ እቲ ዝበዝሐ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ገጢምዎ ዘሎ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ በዞም ዝህነጹ 1600 ቪላታትን ኣፓርትመንታትን ጸገሙ ክፍትሓሉ ይኽእል’ዩ።

ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከተማታት ኤርትራ ንምቕላል ቀዳማይ ክውሰድ ዝነበሮ ተበግሶ ምናልባት ምትዕርራይ እቲ ፋሉል ከይዱ ዘሎ ጉዳይ ኣካረይትን ተኽእረይትን’ዩ። ጉዳይ ክራይ ኣባይቲ ብዘይካ’ቲ ካብ ዕለት ንዕለት ዝውስኽ ዋጋታቱ፣ ናብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ከም ወዲ ዓደ ወዲ ዓድኻ፣ ሃይማኖታይ ሃይማኖትካ ዝኣመሰለ ምጉጅጃል እናምርሐ መንግስቲ ዝኾነ ቅጥዕን  ፖሊስን ዘይብሉ ፋሉል ገዲፍዎ ክነሱ፣ በንጻሩ ድማ ኤውሮ ንዘለዎ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ጸገም ክፈትሓሉ’የ ምባሉ ምስ ምንታይ’ዩ ክጽብጸብ። ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በዓል ናቕፋ እምበር እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ በዓል ኤውሮ ኣይኮነን። በዓል ኤውሮ ሲ ጸገም እንተለዎ’ውን ነቲ ዘመሓድሮ ናይ ኤውሮጳ መንግስቲ’ዩ ዝሓትት እምበር ናብቲ ጸገም ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩ ዜጋታት ክፈትሕ ዘይክኣለ መንግስቲ ኤርትራ ዘጠምት የብሉን።

ጉዳይ ኣካረይትን ተኻረይትን ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ኣዕሙቑ ዝፈልጦ ስለዝኾነ ብዝርዝር ክንዛረበሉ ኣይኮናን። እቲ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከምዘሎ ዝኣምን መንግስቲ ኤርትራ ግና ተናጢሩ ኣብ ኤውሮጳ ንዘለዉ ዜጋታቱ ዘለዎም ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝነጣጠር ነቲ ኣውራ ግዳይ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ኮይኑ ዘሎን ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝውክልን ጉዳይ ኣካረይትን ተኻረይትን ንምፍትሑ ዘይጽዕር።

ናይ ብሓቒ ዜጋታት ካብ ክራይ ተናጊፎም ወነንቲ ኣባይቲ ገዛእ ርእሶም ክኾኑ ዝደሊ እንተኾይኑ ድማ ብመጠን እቶቶምን ደረጃ መነባብርኦምን ኮንዶሚንዮም እናሃንጸ በብዓቕሞም ንምሻጥ ክሕልን’ዩ ዘለዎ ደኣ እምበር ቪላታት መፍትሒ ኣይኮነን። እተን ብነዳዲ ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ይኹና ጸጋታት ዘለወን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ብኸምዚ ኣገባብ ቪላታት ብምህናጽ ኣይፈትሖኦን።

ነቲ ኣብ ትሑት መነባብሮ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣባይቲ ምህናጽ’ውን ብመጠኑ ሓደ ፍታሕ ክኸውን ከምዝኽእል ካብቲ ንኤርትራ ገዚኡ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ክንመሃረሉ ንኽእል ህንጻታት ናይ መማህራንን እንዳ ቁጠባን ምዝካሩ ከድልየና’ዩ። መማህራንን ሰራሕተኛታት መንግስትን ብመጠን እቲ እቶቶም ተተሚኑ ቤት እናተሰርሐ ይዕደሎም ምንባሩ ንዘይፈልጥ ኤርትራዊ ድማ ብሓሳቡ ናብ ዘመነ ደርግ ምምላስን ዝፈልጡ ምውካስን ከድልዮ’ዩ።

ምህናጽ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣባይቲ’ውን ነቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘለዎ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ክፈትሓሉ ከምዘይክእል ርዱእ ኮይኑ፣ እቲ እንኮን ዝሓሸን ፍታሕ ን ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ጥዕና ዘለዎን ንጹርን ፖሊሲ ኣብ ጉዳይ ክራይ ኣባይትን ኣካርይትን ተኻረይትን ምትእትታው ጥራይ’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ከም ጸበል ተጣዒሞም ዘቋረጹ መምርሒታትን ኣዋጃትን ክራይ ኣባይቲ፣ ንተኻረይትን ኣካረይትን ናብ ተወሳኺ ረጽሚ ዘምርሑ’ዮም ኔሩ። መንግስቲ ናይ ብሓቒ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ንምፍታሕ ተበጊሱ እንተሎ ድማ ናብ ግጭት ዘእቱ መምርሒታትን ኣዋጃትን ዘይኮነ፣ ንጹር ሕግታት’ዩ ክሰፍር ዘለዎ። እንተዘይኮይኑ፣ ብኤውሮ ጥራይ ዝሽየጥ ቪላታትን ኣፓርትመንታትን ሰሪሐ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ኤርትራ ነበረ’ያ ነበረ ክግብሮ’የ ምባል ላግጺ’ዩ።

ካዝና መንግስቲ ጥራይ’ዩ ይተርፍ ኣሎ’ሞ መሬትን ኣባይትን ብኤውሮ እናሸጥኩ ክመልኦ ደልየ ኣልኹ ክብሉና ንጽበዮም እኳ እንተዘይኮነ እቲ ሓቒ ግና ንሱ ጥራይ’ዩ። ብመንገዱ ድማ ነቶም ነዚ ኣባይቲ’ዚ እዚ ዝዓደጉ ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ እትዝርጋሕ ሰንሰለት ኣብ ክሳዶም ንምእሳር ክከኣል’ዩ።

 ========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0