ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ገማጋም ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም

ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 568 ስደተኛታት፣ ብ20 ነሓሰ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም።

 

እቶም ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተመራሪሖም ዝመጹ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ክድሕኑ ዝኸኣሉ ሓንቲ ካብተን ጃልቡ ብፍሉይ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሕሪ ምንጽልላዋ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብዘካየድዎ ጻዕሪ’ዩ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲልያ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 568 ስደተኛታት ከምዘድሓኑ ዝሓበሩ ኣባላት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፣ ነቶም 233 ናብ ላዌዱሳ ከግዕዝዎም እንከለዉ ነቶም ነቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኣግሪጀንቶ ዝተብሃለ ገማግም ባሕሪ ከምዘግዓዝዎም ሓቢሮም።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያን ፓኪስታንን ምዃኑ ዝተገልጹ ስደተኛታት ንሎሊ 10 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ከምዝገበሩ’ውን ንሰበ ስልጣን ኢጣልያ ብምጥቓስ ማዕከን ዜና UPI ሓቢሩ።

ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ማልታን ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 3 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0