RADIO ERENA – Friday, 10 May 2024
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኣምሓራን ቤኒሻንጉል–ጉሙዝን ተዓቚቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታታ፡ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ይበታተኑ ምህላዎም ተሓቢሩ።
ሱዳን ትሪቡን ንነበርቲ ናይቲ መዓስከራት ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ፡ ብዝተወደቡ ዕጡቓት ዝካየድ ዝምታን ስርቅን ግኑን ኮይኑ ኣሎ፡
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኣብቲ መዓስከር፡ እኹል መግብ፡ ማእከል ጥዕናን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ስለዘየለ፡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ንሕሰም ተቓሊዖም ከምዘለዉ‘ዩ ተመልኪቱ።
ኣብ ክልል ቤኒ ሻንጉል–ጉሙዝ‘ውን እቲ ኩነታት ተመሳሳሊ ምዃኑ እቲ መርበብ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ ሱዳን፡ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይግለጽ።
እቶም 27 ሽሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ከባቢታት መተማን ጎንደርን ኣብ ዝተደኮነ መዓስከራት ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ድማ ናብ ክልል ቤኒ ሻንጉል ዝሰገሩ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት የነጽር።
እንተኾነ ኣብቲ ክልላት ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣትን ዋሕዲ መግቢን መሰረታዊ ነገራትን፡ ኣሽሓት ካብኣቶም ተበታቲኖም ከምዝኸዱ ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ኣገንዚቡ።
=================
COMMENTS