RADIO ERENA – Thursday, 09 May 2024
ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሚሊሻታትን ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከባቢታት ወልቃይት – ሑመራ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲን ግጭት ከምዝነበረ ዝሓበርት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ብወገና፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ እቲ ከባቢታት ኣብ ምሉእ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ከምዝኣተወ ንነበርቲ ብምውካስ ኣረጋጊጻ።
ሰፊሕ ከባቢታት ወልቃይት – ሑመራ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ናይ ይግብኣኒ‘ዩ ምስሕሓብ ዘለዎ‘ዩ።
ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ብዞባ ምዕራብ ትግራይ ክጽዋዕ ዝጸንሐ ከባቢታት ወልቃይት– ጸገዴ – ሑመራ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ‘ዩ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራ ወዲቑ‘ዩ ጸኒሑ።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብቲ ዞባ ዝተፈናቐሉ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ነናብ ዓድታቶም ከምዝምለሱ ገሊጹ ኣሎ።
ብደቡብ ትግራይ‘ውን ኣብ ከባቢታት ራያ– ኣላማጣ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ትግራይን ኣምሓራን ግጭት ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ነቲ ዞባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክቖጻጸሮ ከምዝኸኣለ ‘ዩ ተሓቢሩ።
ብሰንኪ‘ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ 39 ሽሕ ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ናብ ከተማ ቆቦ ከምዝኣተወ እታ ጋዜጣ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ ኵናት ትግራይ ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን ተቖጻጺሮሞ ንዝነበሩ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ክለቑ ይግደዱ ምህላዎም ‘ዩ ዝትንተን።
ስእሊ፡ – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===================
COMMENTS