RADIO ERENA – Tuesday, 19 March 2024
ሕብረት ኤውሮጳ ብቕጠባዊ ማሕንቖታት ተታሒዛ ዘላ ግብጺ ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክገብረላ ምኳኑ ኣፍሊጡ::
ሕብረት ኤውሮጳ ንግብጺ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብረላ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማት‘ታ ሃገር ኣተሓሳሲብዎ ዘይኮነ እታ ሃገር ቁጠባዊ ዕንወት እንተጋጢምዎ ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከየዕለቕልቑ ብምስጋእ እዩ::
ኣብ ግብጺ ሓያሎ ስደተኛታት ተዓቑቦም ዘለዎ ኮይኖም ኣብታ ሃገር ምስዘይጥዕሞም ናብ ኤውሮጳ ክግዕዙ ዘሎ ድሌት ልዑል እዩ::
ኣብ ቃዛ ዘሎ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ብምህላዉ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ከተፍሪ ስግኣት ኣሎ: ቁጠባዊ ጸገም ዘለዋ ግብጺ ድማ ክትቆጻጸሮ ከጸግማ እዩ::
ኣብ መንጎ ግብጽን ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ንምብጻሕን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ ንምዝርራብ ብፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ‘ኣርሰላ ቫን ዴር ለየን‘ ዝምራሕ መራሕቲ ጉጅለ መንግስታት በልጅዩም: ኢጣልያ :ኦስትርያ: ቆብሮስን ግሪኽን ኣብ ግብጺ ኣትዮም ይርከቡ::
================
COMMENTS