RADIO ERENA:- Tuesday , 27 February 2024
መራሕቲ ግብጽን ኤርትራን፡ ንኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝተመያየጡ፡ መርበባት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።
መራሕተን እዘን ሃገራት፡ ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ ከምዝተመያየጡ ዝተሓበረ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፡ ብቀዳም 24 ለካቲት ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታዉ‘ዩ።
ኣቐዲሙ ንፕረዚደንት ሶማል፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ካይሮ ተመሳሳሊ ኣቐባብላ ዝገበረሉ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ‘ ሉአላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ክጠሓስ ኣይንፈቅድን ኢና‘ ከምዝበለ ኣይርሳዕን።
ፕረዚደንት ሓሰን ቅድሚ ናብ ግብጺ ምጋሹ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ኣብ ዝተመያየጠሉ‘ውን፡ ኤርትራ ሉአላውነትን ግዝአታዊ ሓድነትን ሶማል ከምእተኽብርን ከምትድግፍን ከዘረጋገጸሎም‘ዩ ቤት ጽሕፈቱ – ቪላ ሶማል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ አብ 2018 ሓድሽ ስልታዊ ዝምድና ድሕሪ ምምስራቱ፡ ብወገን ግብጺ ተቐባልነቱ ዛሕቲሉ‘ዩ ጸኒሑ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ግን፡ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ጉዳይ እቲ ንኢትዮጵያን ሶማልን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተመሳሳሊ መርገጺ ስለዝሓዛ፡ ብሓባር ክመያየጣሉ ከምዝጀመራ ተንተንቲ የረድኡ።
ምስ ግብጺ፤ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ናይ ነዊሕ ዓመታት ምስሕሓብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፡ ንሉአላውነትን ግዝአታዊ ሓድነትን ሶማል ዝጥሕስ‘ዩ ተባሂሉ፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ተቓውሞ ገጢምዎ ይርከብ።
መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፡ ብዘይካ ኣብዚ ዛዕባ‘ዚ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፡ ብፍላይ ድማ ኩነታት ሱዳን‘ውን ከምዝተመያየጡ መርበባት ዜና ግብጺ ጠቒሰን።
===============
COMMENTS