Radio Erena: Tuesday, 20 February 2024
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሰሜን ካሮላይና፣ ከተማ ቻርሎት፣ ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቕል፣ ብደገፍቲ ህግደፍ ንዝተወደብ ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ንምብታን ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ኣብ ዝተራእየ ጎነጽን ናዕብን፣ ሸሞንተ ሰባት ተኣሲሮም።
ኣብቲ ብቀዳም 17 ለካቲት ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ናብ ፖሊስ ኣእማንን ኣባትርን ከምዝተወርወረ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፣ ሓንቲ ትራክተር‘ውን ከምዝተቓጸለት ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ምስ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ብምዃን፣ ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ከምዝሰርሑ‘ዩ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ዕለት‘ቲ ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ከተማ ዘ ሄግ‘ውን፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንዝተኣኻኸቡ ደገፍቲ ህግደፍ ንምብታን ኣብ ዝተጓሃሃረ ናዕብን ዕግርግርን፣ ናይ ፖሊስ መካይንን ኣውቶቡስን ከምዝተቓጸላ ይፍለጥ።
ነቲ ዕግርግር ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሰ ዝሓበረ ፖሊስ ኔዘርላንድስ፣ ብናዕቢ ንዝኸሰሶም ኤርትራውያን ኣብ ምህዳን ከምዝርከብ፣ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።
===============
COMMENTS