Radio Erena: Friday, 16 February 2024
ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ናብ ጂቡቲ ክትልእኮ ዝጸንሐት 20 ሽሕ ሜተር ኩብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናብ ኣስታት 100 ሽሕ ክብ ከተብሎ ምዃና ‘ያ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጻ።
እዚ ዜና‘ዚ፡ ነቕጺ ኣብ ዘለዎ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተደኮነት ከተማ ጂቡቲ ንዝነብር ህዝቢ ዓቢ ብስራት ምዃኑ መርበባት እታ ሃገር ሓቢረን።
ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት፤ ነቲ ልዕሊ 250 ኪሊ ሜተር ዝዝርጋሕ፤ ኣብ ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ፤ ዓዲጋላ ዝርከብ መበገሲ ፕሮጀክት ኣብ ዝበጽሕሉ ኣጋጣሚ ድማ‘ዮም ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቲ እትልእኮ ጽሩይ ዝስተ ማይ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከተዛይድ ምዃኑ ዝጠቒሱ።
ብዋሕዲ ጽሩይ ዝስተ ማይ፤ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝጸንሐት ጂቡቲ፡ ካብ መፋርቕ 2015 ኣትሒዛ ካብ ኢትዮጵያ ንምርካብ ጻዕርታት ከተካይድ ጸኒሓ።
ኣብ 2017፤ ብኩባንያ ቻይና ዝተጀመረ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ናብ ጂቡቲ ዝኣቱ ሻምብቆታት ማይ ናይ ምዝርጋሕ ፕሮጀክት ተዛዚሙ፡ መዓልታዊ 20 ሽሕ ሜትሪ ቶን ማይ ኣብ ምልኣኽ ይርከብ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ናብ 100 ሽሕ ንመዓልቲ ክብ ክብል‘ዩ።
95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ፤ ናብ ጂቡቲ እትልኮ ማይ ብዘይ ክፍሊት ምዃኑ‘ያ ትጠቕስ።
=============
COMMENTS