Radio Erena: Wednesday, 14 February 2024
ኣብ ሶማል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሰለስተ ደቂንስትዮ ብሰብኡተን ከምዝተቐትላ፣ ንጸብጻብ ፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ፣ መርበባት ዜና እታ ሃገር ከቓልሓ‘የን ቀንየን።
እተን ክልተ ካብተን ብመጻምድተን ዝተቐትላ ደቂንስትዮ፣ ነፍሰጾራት ‘የን ኔረን።
ጓል 28 ዓመት ሉል ዓብደልዓዚ ጃዚረን፣ ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑ‘ያ ኔራ። ቀዳማይ በዓል ቤታ ብሞት ድሕሪ ምፍላዩ ድማ ‘ያ ምስቲ ላምባ ብምንስናስ ብሓቂ ኣቓጺሉ፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብብ ዝቐተላ ካልኣይ ሰብኣይ ተጻሚዳ።
ነፍሰ ጾር ምንባራ ድማ‘ዩ ተመልኪቱ።
ቀታሊ፣ ኣልሸባብ ናብ ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት ሃዲሙ ክስወር እኳ እንተፈተነ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሃድን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ‘ዩ ተመልኪቱ።
ፉስ ማሕፉድ መሓመድ ‘ውን ጓል 22 ዓመት ኮይና፣ ንራብዓይ ቆልዓ ነፍሰጾር እንከላ‘ያ፣ ብበዓል ቤታ፣ ብካራ ተመታቲራ ሂወታ ሓሊፉ።
ዛጊት ስማን ምልኡ መንነታን፣ ዘይጠቐሳ ሳልሰይቲ ኣደ‘ውን፣ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ብበዓል ቤታ ብጥይት ተቐቲላ ምህላዋ ተቀቲላ ኣላ።
ራብዐይቲ ኣደ‘ውን፣ በዓል ቤታ ላምባን ክርቢት ሒዙ ናብ ገዛ ድሕሪ ምእታው፣ ጎረባብቲ ብዝገበርዎ ቅልጢፍ ምትእትታው፣ ብሓቂ ተቓጺላ ካብ ምሟት ድሒና ኣላ።
እዚ ፖሊስ ዝመዝገቦ ኣርባዕተ ፍጻሜታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን‘ዩ።
እዚ ዜና ብፖሊስ ዝቐረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ዜና ቅትለት ደቂንስትዮ ብሰብኡተን ዘቆጠዐን ደቂንስትዮ ሶማል፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ብምትእኽኻብ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ይርከባ።
እዚ ኣብዚ ሳልስቲ ዝጀመረ ተቓውሞ ኣዴታት ዝበዝሐአን ደቂንስትዮ ሶማል፣ እተን ሰለስተ ግዳያት ፍትሒ ክሳብ ዝረኽባ ክቕጽል ምዃኑ፣ ንኣደ መንበር፣ ማእከል ምዕባለ ደቂቅንስትዮ ዝተባህለ ትካል፣ ማርያም ታካል ሑሰን ብምጥቃስ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።
‘ደቂንስትዮ ሶማል፣ ስቕ ክብላ‘የን ዝግደዳ‘ ዝበለት ማርያም ድምጸንን ድምጺ እተን ግዳያትን ክሳብ ዝስማዕ ተቓውአን ደው ከምዘይብል ሓቢራ።
================
COMMENTS