Radio Erena: Monday, 29 January 2024
ኢጣልያ፣ ኣብ ወፍሪ ጸዓትን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘተኮረ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቃኒዓ።
እቲ ‘ድልድል ንሓባራዊ ዕብየት‘ ብዝብል ስያሜ፣ ብ28ን 29 ጥሪ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጣልያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ እታ ኤውሮጳዊት ሃገራት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዓት ንምውሓስ ኣብ ዘኽእላ ናይ ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ ንምትእትታው፣ ጎኒ ጎኑ ድማ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ናይ ምግታእ መደባት ንምምይያጥን ዝዓለመ‘ዩ።
ኣንጻር ወጻእተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ንዘለዎ የማናዊ ሰልፊ ‘ፍራቴሊ ኢጣልያ‘ ወኪላ፣ ኣብ 2022 ናብ ስልጣን ብዝመጸት፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ዝምራሕ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ንክልተ መዓልታት፣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝወደቦ ዋዕላ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ልዕሊ 30 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣካል ተሳቲፎም።
ፕረዚደንት ናይታ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብምፍራይ ምስ ቀዳሞት ሃገራት እትስራዕ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ብኤውሮጳዊት ሃገር ኣብ ዝተኣንገደ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍ፣ ኣብዚ ልዕሊ 20 ዓመታት እዚ ናይ ኢጣልያ ንመጀመርያ እዋኑ‘ዩ።
ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት እተማርር ኢጣልያ፣ ንምግትኡ ኣቐዲማ ምስ ሊብያን ቱኒዝያ ተመሳሳሊ ክልታዊ ውዕላት ከቲማ‘ያ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኢጣልያ፣ ድሕሪ‘ቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝተኸስተ ኵናት፣ ናይ ጸዓት ጠለባታ ንምምላእ፣ ነዳዲን ጋዝን ምስ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ምስተን ኣብ ሰሜን ዝርከባ፣ ናይ ወፍሪ ውዕላት ኣብ ምትእትታው ትርከብ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ጆርጅያ ሜሎኒ፣ ናብ ስልጣን ክትመጽእ ዝጎስጎሰትሉ ካብ ቀንዲ ራኢታታት ንዝኾነ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ‘ውን፣ ብፍላይ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ዝርከብአን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ወፍሪን ዘተኮረ ውጥናት ከምዘለዋ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ‘ዩ።
===========================
COMMENTS