Radio Erena: Monday, 08 January 2024
ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንዝኸተምኦ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ዝቓወም ሕጊ ዘጽደቐ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ሎሚ ሰኑይ 08 ጥሪ ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ክልታዊ ዝምድና ብምትኳር ክምያየጡ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተዘርግሐ መግለጺ ጠቒሱ።
ይኹን‘ምበር፣ ብዛዕባ እዚ ብወገን ኢትዬጵያ ተወሲዱ ዘሎ ስልታዊ ስጉምቲ፣ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን ኤርትራ ዝህልዋ መርገጺን ብዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑ‘ዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝእንፍቱ።
ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣስታት 3 ሽሕ ሶማላውያን ወትሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ምህላዎም ‘ውን ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ዓብድቐኒ ኣትዮ፣ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ፣ ብናይ ገዛእ ርእሰ ስልጣን ምስ ኢትዬጵያ ንዝኸተሞ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ብምቕዋም ስልጣኑ ብወለንትኡ ሓዲጉ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ኣባላት ካቢነኡን ባይቶን ከይተላዘበን ውሳኔ ከይተዋህቦን ብውልቁ ምስ ኢትዬጵያ ነቲ ስምምዕ ከምዝኸተሞ‘ዩ ወቒሱ።
================
COMMENTS