Radio Erena: Tuesday, 02 January 2024
መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በጺሐዬ ንዝበሎ ስምምዕ መረዳድኢ ሰነድ፣ ብመንግስቲ ሶማል ተነጺጉ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሓምዛ ዓብዲ ባረ ዝተመርሐ ካቢኔ ሚኒስተራት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ዘይሕጋውን ንሉእላውነት ሶማል ዝግህስን‘ዩ ክብል‘ዩ ነጺግዎ።
መንግስቲ ሶማል ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ‘ቲ ጉዳይ መብርሂ ንምሕታት ንኣምባሳደሩ ካብ ኢትዬጵያ ከምዝጸውዖ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ፣ ድሕሪ‘ዚ ብኢትዮጵያ ዝተዘርግሐ ዜና፣ ምስ ኣባላት ፓርላማ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ተቖሪሱ ዝዕደል ክሊ ማይ ሶማል ከምዘየለ ብምርግጋጽ፣ ‘ኣብዚ እዋን‘ዚ ብኹሉ መለክዒታት ኣብ ዝሓሸ ኣቓውማ ስለዘለና፣ ኢትዬጵያ ባህግታታ ክሰርምር ከምዘይክእል ክሕብር እፈቱ‘ ኢሉ።
ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ዘመተ ተካይድ ዘላ ኢትዬጵያ፣ ‘ንዓመታት ወደብ ዘይብላ ኮይና ዝጸንሐት ኢትዬጵያ፣ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ኮይና‘ ዝብል ህጹጽ ዜና‘ያ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ዘርጊሓ።
ጸኒሑ ኣብ ዝቐረበ ካልእ ዜና ግን፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርግሐ ብምእላይ፣ ‘ኢትዬጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ስምምዕ መረዳድኢ ሰነድ ከቲማ‘ ክብል ኣነጺሩ።
እቲ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ፣ ኣብ 01 ጥሪ፣ ኣብ ኢትዬጵያ፣ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ‘ዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
ፕረዚደንት ቢሒ፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘሎ ምስሕሓብን ተኽእሎ ዕርቒን ንምዝታይ፣ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ጂቡቲ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተን ምምይያጥን‘ዩ ናብ ኢትዬጵያ ኣምሪሑ።
መንግስቲ ሶማል፣ ነታ ካብ 1991 ኣትሒዛ ካብ ሶማል ዝተፈልየት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ከም ሉኣላዊት ኣካሉ‘ዩ ዝርእያ።
ይኹን‘ምበር፣ እዛ ዛጊት ከም ሉኣላዊት ሃገር፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘይረኸበት፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልቲኣዊ ስምምዓት ከተካይድ ጸኒሓ‘ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት‘ውን፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዬጵያን፣ ኣብ ክራይ ወደብ ዘተኮረ ስምምዓት እኳ እንተኸተመት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።
እዚ ሕጂ ምስ ኢትዬጵያ ተበጺሑ ዝብሃል ዘሎ ስምምዕ ግና፣ ካብ ክራይን ናይ ንግዲ ውዕላትን ሓሊፉ ንሉኣላውነትን፣ መሬታዊ፣ ክሊ ማይን ኣየርን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ‘ዩ ዝግልጸ ዘሎ።
መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ብስም ሕጋዊ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወጥርን ግጭትን ከየጎሃሀር‘ዩ ዝስጋእ።
ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንትርነት
=====================
COMMENTS