Radio Erena: Tuesday, 02 January 2024
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተቐማጦ ወሽመጥ ቃዛ ብእትገብሮ ዘላ ጃምላዊ መቕጻዕትን ቅትለትን ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ተኸሲሳ::
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኣብ ዝመስረቶ ክሲ: እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ ልዕሊ 21 ሽሕ ዝቐተለ ደብዳብ፤ ዕጽዋ መግቢ: ኤሌክትሪክ: ማይ:መድሃኒትን ካልእን መሰረታዊ ነገራትን ‘ኣዕናውን ዓሌት ፈሊኻ ዝግበር ጃምላዊ ህልቂትን‘እዩ ዝብል እዩ::
እቲ ክሲ ብተወሳኺ: እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዕንወትን ቅትለትን ጥራይ ዘይኮነ ስነ–ኣእምሮኣዊ ሃስያ ትገብር ከምዘላ‘ውን ይጠቅስ::
ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪክ ራማፎዛ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ምስቲ ኣብ1994 ዝተወድአ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ናይ ጸዓዱ ፈላሊኻ ግዛእ(ኣፓርታይድ) ከምዝመሳሰል ገሊጹ ኔሩ::
ሓገግቲ ኣካል ባይቶ ደቡብ ኣድሪቃ‘ውን ኣብ ሃገሮም ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ክዕጾ ኣድሚጾም እዮም::
እስራኤል እቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሌኣ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ ኣላ::
ስእሊ፡- ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት
============
COMMENTS