ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ከይክሰት ዘስግእ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 January 2022

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ከይክሰት ስግኣታት ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ኣጠንቂቖም።

እቶም ተንተንቲ ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕርቡ ዘለዉ፣ ብ24 ጥሪ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ቡርኪናፋሶ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ሮሽ ካቦረ ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ዓለዉ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ ጎረቤት ቡርኪና ፋሶ ኣብ ዝኾና ሃገራት ማሊን ጊኒን፣ ተመሳሳሊ ዕልዋ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ተንተንቲ፣ ንሃገራት እቲ ዞባ ሕማቕ ኣብነት ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ብተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ግኑን ስም ዝጸንሖ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ብተዛማዲ ናብ ርጉእ ምስግጋር መንግስታት ዘገም ክብል ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ዳግም ብተኸታታሊ ዝረአ ዘሎ ወትሃድራዊ ዕልዋታት፣ ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብስም ምምካት ሽበራ ኣብ ቅናት ሳሕለ ሰሃራ፣ ሰራዊት ፈረንሳ ብብዝሒ ዓስኪሩለን ኣብ ዘሎን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ይኽሰት ምስ ምህላዉ፣ ‘ኢድ ፈረንሳ ከይሃለዎ ኣይተርፍን’ ዝብል ትንታነታት’ውን ኣሎ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስ ዞባዊ ምትእኽኻብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወይ ኤኮዋስ ብምዃን፣ ነቲ ኣብ ማሊን ጊኒን ሕጂ ድማ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኸስተ ዕልዋታት ብወግዒ ተቓዊምዎ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዕልዋ ዘካየዱ ወትሃደራውያን ጉጅለታት ጽኑዕ ስጉምታት ክወስድ ኣይተራእየን።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ወትሃድራዊ ዕልዋ መሪሑ ዘሎ፣ ልዩተናንት ኮለነል ፖል-ኦንሪ ሳንዳጎ ዲምባ፣ ኣብ ማእሰርቲ ኣእትይዎ ንዘሎ ፕረዚደንት ሮሽ ካቦረ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ክውሕስ ብዘይምኽኣሉ ክኣልዮ ከምዝወሰነ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0