ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ጆንጎሊ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ 32 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 January 2022

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ጆንጎሊ ኣብ ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ድንጉሩትን ማሺናድን ኣብ ዝተባህላ ቁሸታት፣ ብ23 ጥሪ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዲንካ ቦርን ሙርለን ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ጠበናጁ ዝዓጠቑ መንእሰያት ቀቢላ ሙርለ፣ ናብተን ቁሸታት ብምእታው ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 10ታት ሰላም ሰባት ብኡ ንብኡ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣሽሓት ድማ ቤት ንብረቶም ሓዲጎም ሃዲሞም።

ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ሰባት’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ካብቲ ግጭት ይሃድሙ ካብዝ ነበሩ ሰባት፣ ሰለስተ ቆልዑ ኣብ ሩባ ጥሒሎም ከምዝውሞቱ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

እቶም ዕጡቓት፣ ንመንበሪ ኣባይቲ ናይተን ቁሸታት ከምዘቓጸሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጠቒሶም።

እቲ ግጭት ካብ ዝተኻየደሉ፣ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ከይዓረገ ንምህድኡ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ተማሕጺኑ።

ካብ 2011 ኣትሒዛ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ጸጸኒሑ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብሰንኪ ዝጎሃሃር ግጭታት፣ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0