ኣብ ዶብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ዝምታ ይካየድ

ኣብ ዶብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ዝምታ ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብ ጁባ ይሕብሩ።
እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ቦዳ ቦዳ ተባሂለን ብዝፍለጣ ሞተር ሳይክል ካብን ናብን እናተንቐሳቐሱ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዝምታ ይፍጽሙ ምህላዎም’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።
ኣብ ኡጋንዳ እትሕተም ጋዜጣ ኒው ቪዥን ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ’ውን፣ ኣብቲ ዶባት ኣብ ሓለዋ ተፊሮም ዝነበሩ ክልተ ወትሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ተቐቲሎም ከምዝተረኽቡ ኣፍሊጣ።
እቶም ወትሃደራት፣ ሃለኽቲ ነገራት ንምሽማት ኣብቲ ዶብ ናብ ዝርከብ ዕዳጋ ድሕሪ ምኻዶም ሃለዋቶም ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ተቐቲሎም ከምዝተረኽቡ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣቐዲሙ’ውን ኣብቲ ቦታ ክልተ ወትሃደራት ንብረቶም ንምዝማት ሰረቕቲ ከምዝቐተልዎም እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ካብን ናብን ጁባ ካምፓላ ዓሚሩ ኣብ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብተን ሃገራት ብክረዲት ካርድ ዝካየድ ምስግጋር ገንዘብ ምስ ዘይምህላዉ፣ ገንዘብ ንምዝማት ሰረቕቲ ብብዝሒ ገኒኖም ምህላዎምን ብሰንኩ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ሓደጋ ይገጥሞ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብዘን ሃገራት ንንግዲ ዝንቐሳቐሱ ኤርትራውያን’ውን ልዑል ጥንቓቐ ክገብሩ ንምሕጸን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0