8 ወይ 9 እሱራት ዝጸዓነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣስመራ ዓሊባ

Radio Erena: 20 November 2020

መንነቶም ዘይተፈልጡ፣ 8 ወይ 9 ዝኾኑ እስራት ዝጸዓነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ብሓሙስ 12 ሕዳር፣ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝዓለበት ናይ ዓይኒ መሰካክር ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓቢሮም።

እቶም ካብታ ማእከላይ ዕብየት ዘለዋ ነፋሪት ዝወረዱ 8 ወይ 9 ዝኾኑ ሰባት፣ ገጾም ተሸፊኑ፣ ኣእዳዎም ንቕድሚት ብፌሮ ዝተኣስሩ’ዮም።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝወረድሉ ድማ፣ ናይ ኩባንያ ሓራት ብእትመስል ሚኒባስ ተጻዒኖም ከምዝወጹ እቶም መሰኻክር ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም።

ካብታ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተጻሕፋ ነፋሪት፣ ወትሃደራውን ሲቪልን ዝተኸድኑ 6 ሰባት’ውን ከምዝወረዱ ተሓቢሩ።

ንሳቶም’ውን መንነቶም እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ነቶም እሱራት ዓጂቦም ዝመጹ ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክኾኑ ከምዝኽእል ይግመት።

እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ካብ ካልእ ዝተበገሰትሉ ከተማ’ውን ኣይተፈልጠን።

እቶም፣ ብሚኒባስ ተጻዒኖም፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ናበይ ከምዝተወስዱ’ውን ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ዒራዒሮ እምበር ንገርጉሱም ከይዶም ዲዮም ክዛወሩ ደሊኹሞም? ጎሓላሉ። ጌና ጌና፡ ኩለን ዓለማት በጃና ይኹኑ እናበላ ነዞም ከደዓት ኤርትራውያን በብሓደ ከም ሞባእ ንህግደፍ እናሰገዱ ከካብ ዓዶም ኣምጺኦም ከረክቡኹም’ዮም።