8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ተዘኪራ

Radio Erena: 09 March 2020

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ትማሊ ሰንበት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝተዘከረ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ’ውን ብማዕረ ክሳተፋን ዘዘኻኽር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጽሞ ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ካልእ ዘቤታዊ ዓመጽን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ተዘሪብሉ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትውያን’ውን፣ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘኪሮማ ዊዕሎም።

ኣብ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስትኡ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ኣደራዕ ምህላዉ ንፍትሕን ለውጥን ክቃለሳን ተጣበቅቲ መሰላትን ደቂንስትዮ የተሓሳስባ’የን።

ኣብ ኤርትራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ ብሰንኪ ፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐያ ከምዘለዋን ንገሊኤን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ግፍዕታት ከምዝወረደንን ይፍለጥ።

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0