ሊኵድ ቴሌኮም፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎታት ቴሌፍንን ኢንተርነትን ከውፍር ይሕልን

Radio Erena: 09 March 2020

ሊኵድ ቴሌኮም ዝተባህለ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎታት ቴሌፍንን ኢንተርነትን ከውፍር ከምዝደሊ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ወናኒ ኢኮነት ግሎባል ዝተባህለ ኩባንያ ዝኾነ፣ ለንደን ዝምቅማጡ፣ ዚምባብውያዊ ቢልዮነር ስትራይቭ ማሲዪዋ ብመንገዲ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ’ዩ።

ኩባንያ ኢኮነት ግሎባል፣ ሊኵድ ቴሌኮም ዝርከቡ ሓያሎ ናይ ርክባት ትካላት ኣብ ትሕቲኡ የመሓደር።

እቲ ናይ ቴሌኮም ትካል፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ እንኮ ወሃቢ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዝኾነ ኤሪቴል ብምሽራኽ ንምስራሕ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ወናኒኡ ጠቒሱ ዘሎ።

ባንክ ዓለም፣ ተረሚሱ ዘሎ ቁጠባ ኤርትራ ንምምሕያሽ ካብ ዘቕረቦ ሓደ ሓደ እማመታት፣ ብመንግስቲ ዝውነን ኤሪቴል ናብ ብርክታት ምውራድ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝወሓደ ዕዳጋ ቴሌኮም ዘለወን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃነን’ዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ።

ዲጂታል ሪፖርት ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ኤርትራ፣ ኣስታት 20% ካብ ህዝባ ጥራይ ተጠቓሚ ቴሌፎን ክኸውን እንከሎ፣ ዋሕዚ ኢንተርነት ድማ 8.3%’ዩ።

ሊኵድ ቴሌኮም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ናይ ብሮድባንድ ወይ ሓያል ዋሕዚ ዘለዎ እገልግሎት ኢንተርነት ከምዘተኣታተወ’ዩ ዝግለጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0