7 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናውያን ሓደጋ ጥሜት የንጸላልዎም

Radio Erena: 09 July 2019

ኣብ ደቡብ ሱዳን 7 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዝነጥፍ ቆንስል ስደተኛታት ኖርወይ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ መተሓሳሰቢ መልእኽቲ፣ ውግእ ሓድሕድ ዘካዪዱ ዘለዉ ኩሎም ወገናት፣ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣናዊሖም፣ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ዝረኽበሉ መንገዲ እንተዘይተጣጢሑ፣ ኣብታ ሃገር ዘስካሕክሕ ጥሜትን ዓጸቦን ህዝቢ ከህልቕ ሙዃኑ ኣፍሊጡ።
ንናጽነቱ ነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣብ 2011 ናጽነቱ ረኺቡ ከየዕረፈ ዳግማይ ኣንጻር ድኽነትን ጥሜትን ይቃለስ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ በርጌሳዊ ትካል፣ ብሰብ ሰርሖ ጥሜት ክሳቐይ ከምዘይግባእ ኣዘኻኺሩ።
ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ዝጀመረ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዘበገሶ ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝዘናበሉ ገይሩ’ዩ።
ካብ’ዞም ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ሰባት እቶም 860 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እዮም።
ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናውያን ቤት ንብረቶም ገዲፎም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ክኾኑ እንከለዉ፣ 2.3 ሚልዮን ከኣ ኣብ ዩጋንዳን ኢትዮጵያን መዓስከራት ስደተኛታት ከምዝርከቡ መዛግብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0