ኤርትራውያን ዝርከብዎ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ሊብያ ክዕጾ መንግስቲ’ታ ሃገር ይዘራረበሉ

Radio Erena: 08 July 2019

ኤርትራውያን ዝርከብዎ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ሊብያ ክዕጾ መንግስቲ’ታ ሃገር ይዘራረበሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ኣብ ዝዘርገሖኦ ሓበሬታ፣ ድሕሪ’ቲ ህይወት ልዕሊ 60 ስደተኛታት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ፣ መንግስቲ ሊብያ ሓላፍነቱ ከውርድ ስለዝደለየ ነዚ ዝጉምቲ’ዚ ክወስድ ይግደድ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ኣቐዲሙ ከምዝተሓበረ፣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር እንከለዉ ብዝተፈጸሞም ደብዳብ እቶም ብህይወት ዝደሓኑ፣ ካብቲ ከባቢ ከምልጡ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ብተመልከተለይ ብጥይት ይህደኑ ከምዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም እዮም።

ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንነዊሕ እዋን ናይ ርድኡና ጻውዒት ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ መዓስከር ታጁራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፣ ውግእ ሓድሕድ ሊብያ ገና ይቕጽል ብምህላዉ፣ ካብ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ንምምላጥ ኣብ ቀጽሪ’ቲ መዓስከር ክሓድሩ ጀሚሮም ከምዘለዉ ገሊጾም። ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ብህጹጽ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ብዓቢኡ ከኣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጣየሱ ብምጥላብ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ጀሚሮም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እዞም ልዕሊ 3,800 ዝኾኑ ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ተቐዪድሞ ዘለዉ ስደተኛታት ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማልያን ኢትዮጵያን ሙዃኖም ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክት።

መንግስቲ ሊብያ፣ ነዚ መዳጎኒ መዓስከራት ድሕሪ ምዕጻዉ እቶም ስደተኛታት ናብ ፈቐዶኡ ፋሕ ምስ በሉ ሓገዝ ንምሃቦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክት።

እንተኾነ ስደተኛታት ተቐዪዶሙሉ ዘለዉ መዳጎኒ ምስ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መኽዘን ኣጽዋራትን ዝተቐራረበ ምስ ሙዃኑ፣ ውሕስነት ኣብ ዘለዎ ቦታ እንተዘይግዒዞም ግዳያት ደብዳብ ካብ ምዃን ከምዘየምልጡ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0