37 ማሕበራት ግብረ ሰናይ፣ መንግስቲ ማልታ ጉዳይ’ቶም ደሃይ ዘጥፍኡ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ምላሽ ክህብ ጥርዓን ኣቕሪቦም

Radio Erena: 11 April 2021

37 ማሕበራት ግብረ ሰናይ፣ መንግስቲ ማልታ ጉዳይ’ቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃይ ዘጥፍኡ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ምላሽ ክህብ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

እቶም ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 110 ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ኣብ ክሊ ማያት ማልታ ምስ በጽሑ ናይ ረዲኤት ጻውዒት እኳ እንተቕረቡ፣ ዝኾነ ሓገዝ ብዘይምርካቦም ደሃዮም ከምዝተሰወረ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

እቲ ብ37 ትካላት ግብረሰናይ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ከባቢ’ቶም ግዳያት ዝነበራ ናይ ንግዲ መራኽብ ክረድኦኦም እኳ እንተፈተና፣ መንግስቲ ማልታ ግና ደው ከምዘበለን ይኸስስ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ዝተበገሱሉ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተመሊሶም እንተኾኑ’ውን ዝኾነ ሓበሬታ ብዘይምህላዉ፣ መንግስቲ ማልታ ሓላፍነት ወሲዱ ደሃይ ክገብር እዩ ጥርዓን ዝቐርብ ዘሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ማልታ ነቶም ግዳያት ደሃዮም ንምርካብ ዘካየዶ ጻዕሪ ኣሎ እንተኾይኑ፣ ምስ መርትዖታቱ ናብ ህዝቢ ብምቕራብ፣ ብሉጽነት ብዘለዎ ኣሰራርሓ ሓላፍነቱ ክወስድ ይጽውዕ።

ማእከላይ ባሕሪ፣ ህይወት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብእኩብን ብውልቅን ክበልዕ ብምጽንሑ፣ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይድምሰስ ጸሊም ታሪኽ መዝጊቡ እዩ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0