ሱዳናውያን ደቀንስትዮ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ብግቡእ ክውከላ ዝጽውዕ ማኒፈስቶ ኣውጺኤን

Radio Erena: 11 April 2021

ሱዳናውያን ደቀንስትዮ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ብግቡእ ክውከላ ዝጽውዕ ማኒፈስቶ ኣውጺኤን።

ንስርዓት ኣልበሽር ንምዕላው ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ መሪሕ ተራ ከምዝተጻወታ ዝገልጻ እተን ደቀንስትዮ፣ ጾታ ዝመሰረቱ ኣፈላላይ፣ ገና ብሰፊሑ ይቕጽል ብምህላዉ፣ ውሕስነተን ከምዘይተረጋገጸ እየን ዝኸሳ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝመራሕ መንግስቲ ሱዳን፣ ንዝኾነ መሰል ደቀንስትዮ ዝሕሉ ኣህጉራዊ ውዕል ገና ኣይፈረመን ዘሎ። እቲ ግዚያዊ መንግስቲ፣ መሰል ደቀንስትዮ ዝሕሉ ውዕላት ንምኽታም፣ ተደጋጋሚ እማመታት ከቕርብ ምጽንሑ፣ እንተኾነ ግን፣ ብዝተፈላለዩ ኣካላት’ቲ መንግስቲ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ’ዩ ዝገልጽ።

እተን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዳ ደቀንስትዮ ኣብ ዘቕረቦኦ ማኒፈስቶ፣ ኣብ ሱዳን ምሉእ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፣ ማዕርነት ደቀንስትዮ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ኣዘኻኺረን። ንሰን ብተወሳኺ ኣብ ሕግታት ሱዳን ሰፊሩ ዘሎ ንደቀንስትዮ ኣትሒቱ ዝርእን፣ ዝብድልን ሕግታት፣ ኣብ ገበናዊ ሕጊን፣ ሕጊ ዕዮን ከይተረፈ ስለዝርከብ፣ ብቕጽበት ክስረዝ ጸዊዐን።

ኣብ ልዕሊ’ተን ወደብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከቢድ ናይ ምፍርራህን ምግቡዕቧዕን መጥቃዕቲ ይወርደን ከምዘሎ ዝገልጹ ተጣበቕቲ መሰላት፣ ጸጥታዊ ውሕስነተን ከረጋግጸለን፣ ናብ መንግስቲ ሱዳን ጥርዓኖም የቕርቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0