30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኤርትራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፈን

Radio Erena: 12 June 2019

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ጽሒፈን።

እተን ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ትካላት ኣብቲ ብ11 ሰነ ዝጸሓፈኦ ደብዳቤ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲተን።

ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ይኹን ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ስምምዕ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምቲ ዝነበሮ ኣብ ሕማቕ ከምዝርከብ ኣገንዚበን።

ናጻ ፕረስ ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ 16 ጋዜጠኛታት ደሃዮም ኣጥፊኣ ከምዘላ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ መበል 40 ስሩዕ ጉባኤ ናይቲ ባይቶ፣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ ይቕጽል ከምዘሎ ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዝርዝር ምቕራቡ ኣዘኻኺረን።

እተን ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዘለወን ትካላት፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኩነታት እናሃለወ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ተዛንዩ ክርእዮ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲበን።

ኤርትራ እትርከበን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቐሳ ሃገራት ኣብ ኣባልነቱ ዝሓቖፈ ሓድሽ ባይቶ፣ ኣብ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ይሰርሕ ከምዘሎ ብተግባር ከርኢ’ውን ተማሕጺነን።

ኤርትራ፣ ምስቲ ኣባሉ ዝኾነት ባይቶ ምትሕብባር ከምዘይጸንሓ ብምምልካት ድማ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ልኡኽ ወይ ስፔሻል ራፖርተር ካብ ዝመዘዘለን 22 ሃገራት፣ እታ ነቲ ልኡኽ ምቕባል ዝኣበየት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ከም ኣብነት ጠቒሰን።

ኣብዚ ዝመጽ ስሩዕ ዋዕላ፣ ኣባልነት ካብ ተሓታትነት ዘድሕን ዘይኮነ፣ ንትግባረ ሰብኣዊ መሰላት ዝያዳ ሓለፍነት ዘሰክም ኮይኑ ክቐርብ’ውን ጸዊዐን።

መበል 41 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ 24 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ ኣብ ጄኔቫ ክካየድ’ዩ።

ነዚ ደብዳቤ ዝጸሓፋ 30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዘን ዝስዕባ’የን፣-

1. AfricanDefenders (the Pan-African Human Rights Defenders Network)
2. Amnesty International
3. ARTICLE 19
4. Cairo Institute for Human Rights Studies
5. Center for Reproductive Rights
6. CIVICUS
7. Civil Rights Defenders
8. Committee to Protect Journalists
9. CSW (Christian Solidarity Worldwide)
10. DefendDefenders (the East and Horn of Africa Human Rights Defenders Project)
11. Eritrea Focus
12. Eritrean Diaspora in East Africa (EDEA)
13. Eritrean Law Society (ELS)
14. Eritrean Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR)
15. Front Line Defenders
16. Geneva for Human Rights / Genève pour les Droits de l’Homme
17. Global Centre for the Responsibility to Protect
18. Human Rights Concern – Eritrea (HRCE)
19. Human Rights Defenders Network – Sierra Leone
20. Human Rights Institute of South Africa (HURISA)
21. Human Rights Watch
22. International Commission of Jurists
23. Information Forum for Eritrea (IFE)
24. International Refugee Rights Initiative
25. International Service for Human Rights
26. Network of Eritrean Women (NEW)
27. Odhikar, Bangladesh
28. Release Eritrea
29. Reporters Without Borders
30. World Organisation Against Torture (OMCT)

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 9
  • comment-avatar

    ጽቡቕ ስምዕታ’ዩ ብሕቡእ ይዝኩን ንገለ ውልቀ ርብሓታት ዓለምና ንጉዳይና ባትኩሮ ክትርእዮ ኣይክኣለትን።
    ነቲ ውልቀ መላኺ ብገለ ሕሱር ርብሓታት ዕድሚኡ ኣብ ክንዲ ምሕጻር ሃገርና ኣብ ጽንኩር መጻብቦ እንዳሃለውት፡ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ጸኒሑን ኣሎን።
    ሓፋሽ እንዳበረሰ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሉሉይ ኣብያ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ዓመጽ ህግድፍ ብዝኮነ መዕቀኒ ዋላ ንሓደ መዓልቲውን ተስፋ ክዋሃቦን እምነት ክንበረሉን ኣይግባእን።

    እሞ እዞም ጉዳይ ኣውያት ህዝብና ተርዲእኩም ዓገብ እትብሉ ዘለኹም ኩሉኹም ትካላት ግብረ ሰናይ ማሕበራት፡ ከም ሓደ ተቓላሳይን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ክብ ዝበለ ምስጋናይ እንዳኣቕረብኩ ከይተሓለልኩም ሓገዝኩም ክትግብሩልና እምሕጸንኩም።

  • comment-avatar

    We care not about human right in anywhere our core meaning are how can we deal our enemay in right way.Eritrea is the best land.

  • comment-avatar

    ጽቡቕ ስምዕታ’ዩ ብሕቡእ ይዝኩን ንገለ ውልቀ ርብሓታት ዓለምና ንጉዳይና ባትኩሮ ክትርእዮ ኣይክኣለትን።
    ነቲ ውልቀ መላኺ ብገለ ሕሱር ርብሓታት ዕድሚኡ ኣብ ክንዲ ምሕጻር ሃገርና ኣብ ጽንኩር መጻብቦ እንዳሃለውት፡ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ጸኒሑን ኣሎን።
    ሓፋሽ እንዳበረሰ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሉሉይ ኣብያ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ዓመጽ ህግድፍ ብዝኮነ መዕቀኒ ዋላ ንሓደ መዓልቲውን ተስፋ ክዋሃቦን እምነት ክንበረሉን ኣይግባእን።

    እሞ እዞም ጉዳይ ኣውያት ህዝብና ተርዲእኩም ዓገብ እትብሉ ዘለኹም ኩሉኹም ትካላት ግብረ ሰናይ ማሕበራት፡ ከም ሓደ ተቓላሳይን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ክብ ዝበለ ምስጋናይ እንዳኣቕረብኩ ከይተሓለልኩም ሓገዝኩም ክትግብሩልና እምሕጸንኩም።

  • comment-avatar
    shishay 5 years ago

    ዓለም ቀይናን ገፋሕ መቓብር ናይሓቂ’ያ ንዲክታቶራት ብመልሓሶም ይወቕስዎም ትገልቢጦም ድማ ኣባላት ሰባዊ መሰላት ኢኹም አሎም ከገልግሉ ይመዝዎም

  • comment-avatar

    Eritrean issue concerns to Eritreans in Eritrea.

  • comment-avatar

    Eritrea will not intimideited by bogus organization

  • comment-avatar
    wworede imam 5 years ago

    hizbi eritrea teternifu entezei tebegisu kab kalie senai kimetsena elna keinihasib.

  • comment-avatar
    hanke 5 years ago

    Our suffering is getting more and more the human rights council should do something about this. We eritreans are not animals.

  • comment-avatar
    ሞደል 5 years ago

    ቅቡል ዘረባ ኢዩ ኣነ ግን ዝገርመኒ እንተሃልዩ እዘን ሰባዊ መሰላት ዝብሃላ እንታይ ይጽበያ ኣለዋ ስጋብ እዚ ህዝቢ ፋሕ ፋሕ ዝብል ድዩ