ኬንያ ምስ ሶማልያ ዘዋስና ዶባት ዓጽያ

Radio Erena: 12 June 2019

ኬንያ ምስ ሶማልያ ዘዋስና ዶባት ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።

እቲ ተዓጽዩ ዘሎ ዶባት፣ ናብቲ ንክልቲኤን ሃገራት ዘዋስን ክሊ ማይ ዝቐረበ ዞባ ላሙ’ዩ።

ኬንያ፣ ምስ ሶማልያ ዘዋስና ዶባት ዝዓጸወትሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ እተካይዶ ስርሒታት ዝተሓሓዝ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

በዚ ኬንያ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፣ ምንቅስቓስ ካብን ናብን፣ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝነብሩ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራትን ይኹን ንግዲን ደው ኢሉ ኣሎ።

መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ኔሽን ንኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ላሙ፣ ሙቻንጊ ኪዮይ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቲ ዶባት፣ ንሓይልታት ጸጥታ እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ዕጹው ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኬንያ፣ ኣቐዲማ ካብን ናብን ናይሮቢ-ሞቛድሾ ዝካየድ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ከምዘበለት ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ እታ ሃገር፣ ምስ ኬንያ ዘዋስና ዶባት፣ ናይ ምሕጻር መስርሕ ትቕጽሎ ከምዘላ ይፍለጥ።

ብጉዳይ ዋንነት ሰፊሕ ክሊ ማይን ጸጥታን፣ ኣብ ሞንጎ ኬንያን ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ተበግሶ ከምዘይተዓወተ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ምትፍናን ድሕሪ ምህድኡ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ተስፋ ሰላም ክርኣዮ’ዩ ዝብል እምነት ብዙሓት እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ እብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ከምኡ ድማ ኣብ ሱዳን ተፈጡሩ ዘሎ ኩነታት፣ ነቲ ዞባ ናብቲ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝጸንሓሉ ርሱን ኩነታት ከይመልሶ ተሰጊኡ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0