25 ግንቦት መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተዘኪሩ

Radio Erena: 26 May 2020

25 ግንቦት መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተዘኪሩ።

እዚ ንመበል 57 ዓመቱ ዝዝከር ዘሎ፣ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ዝተጀመረ ጻዕሪ ነሐይል ብዝብል ኣርእስቲ’ዪ።

መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዓመታዊ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፣ ከም ጋና፣ ዛምቢያን ዚምባብዌን ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ከም ሃገራዊ በዓል’የን ዝጽንብልኦ።

25 ግንቦት፣ ከም መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክትዝከር ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ መራሕቲ ናይተን ቀዳሞት ናጻ ዝወጻ ሃገራት እዛ ኣህጉር ብኢትዮጵያ ተማእኪለን ሓድነት ኣፍሪቃ ንምቛም ተበግሶ ዝወሰዳሉ ዕለት ብምዃኑ’ዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ኤውርጳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ፣ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልስታት እኳ እንተካየዳ፣ ግና ድሕሪ ናጽነት፣ ህዝበን ፖለቲካዊ ሓርነት ከስተማቕር ይኹን ቁጠባዊ ዕብየትን ብልጽግና ክርኢ ኣይበቕዐን።

ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ድማ ቃልሲ ንናጽነት መሪሖም ሃገራት ዝተረከቡን ድሕሪኦም ዝሰዓቡን መራሕቲ ናይዛ ኣህጉር፣ ብብልሽውና ስልጣንን ዝርገት ሃብቲ ሃገር እናፈጸሙን፣ ንኣሳታፊ ትካላዊ ምሕደራ ፖለቲካን ቁጠባን ብምሕሳም፣ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ስልጣን ምእላይ ስለዝሕንግዱ’ዩ።

መግዛእታዊ ሓድጊ ዝኾኑ ዶባት ዝፈጠርዎ ግጭታት፣ ነዛ ኣህጉር መዛዘሚ ናብ ዘይብሉ ኵናት ሸሚሙ፣ ዘልኣለም ኣብ ድኽነትን ድሕረትን ክትነብር ስለዝሓነቓ ምዃኑ ድማ ከም ካልኣይ ነጥቢ ይጥቀስ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0