Radio Erena: Wednesday, 14 February 2024
ብተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሞሊ ፊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወከልቲ ጥዕናን ትካል ረዲኤትን ልምዓትን ኣመሪካን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ዝሓቕዕፈ ልኡኽ፣ ካብ 12 ክሳብ 17ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምስታፍ፣ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕትን ሰበ ስልጣንን ናይዛ ኣህጉር ክመያየጥ‘ዩ።
ዕላማ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ወኪል፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን፣ ጥዕና ከምኡ ድማ ልምዓት ንእትገብሮ ዘላ ጻዕርታት፣ ኣመሪካ ከምእትድግፎንን ከም እትተሓጋገዝን ንምርግጋጽ ምዃኑ‘ዩ ተመልኪቱ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኣብ ብከላ ኣከባቢ፣ ምውሓስ ጸዓትን ካልእን ዘተኮረ ኣርእስታት‘ውን ክዝተየሉ‘ዩ።
ላዕለዎይ ወኪል ኣመሪካ፣ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይዶ ርክባት፣ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ‘ውን ኣብ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ዘተኮረ ምይይጥ መዲቡ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
=============
COMMENTS