ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብረዚን ክብሪ ይዝክራ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብረዚን ክብሪ ይዝክራ

Radio Erena: 20 June 2016

Mar

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብረዚን ክብሪ ይዝክራ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውትያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልእክዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ንሰማእታት ዘለዎም ረዚን ክብሪ ብምርግጋጽ መብጻዓ’ቶም ሰማእታት ዝትግበር፣ ኤርትራ ደሞክራስዊ መንግስቲ ምስ እትተክልን፣ ዜጋታታ ድማ ብሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ምስ ዝነብሩ ጥራይ’ዮም ክብሉ ኣስሚሮም።

እዛ ብረዚን ክብሪ እትዝከር 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፣ ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ኣብ ጄኔቫ፣ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርበሉ ዘሎ ዕለት ትዝከር ምህላዋ ንባዕሉ፣ ሕድሪ ሰማእታት ብምልኣት ከምዘይተኸብረ ዝሕብር መልእኽቲ ከምዘለዋ ኣረዲኦም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ሽምዓ ብምውላዕ፣ ጉዕዞ እግሪ ብምክያድን ካልእ ንጥፈታት ብምውዳብን’ዮም ዘኪሮማ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0