ሱዳን፣ “መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከሺፈ” ትብል

ሱዳን፣ “መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከሺፈ” ትብል

Radio Erena: 17 June 2016

Gifa Sudan

ሓይልታት ስለያን ጸጥታን ሱዳን ብመንገዲ ፖርት ሱዳን ክካየድ ዝተወጠነ ዘይሕጋውያን ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘፍሸሉ ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ብመርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ዝተወሃሃደ ምስግጋር ስደተኛታት፣ ብምክትታል ኣባካት ጸጥታን ስለያን እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተኸሽፈ’ዩ ዘመልክት እቲ ናይ ማእከል ሓበሬታ ሱዳን።

ኣብቲ ስርሒት 22 ስደተኛታትን ክልተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ከምዝተቐየዱ’ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቕስ።

 

እቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ካብ ከባቢ ከሰላ ከምዝጀመረን ኣብቲ ምስግጋሮም ከኣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተሳተፉን እቶም ስደተኛታት ከምዝተኣመኑ’ዩ ዝገልጽ እቲ ናይ መንግስቲ ሱዳን ሓበሬታ።

መንግስቲ ሱዳን ዜግነት ናይቶም ኣብ ስርሒት ከምዝሓዞም ዝገልጽ ዘሎ 22 ሰባት ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር ኣቐዲሙ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ናብ ፖሊስ ሱዳን ዘረከብዎም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዘርከብዎም ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ኣብ ፖርት ሱዳን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ክጥቐስ ምስ ምጽንሑ፣ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብስርሒት ሒዘዎም ዝብሎም ዘሎ ኤርትራውያ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ነቶም ኤርትራውያን ናብ ፖሊስ ሱዳን ዘረከቡ ከም ኣሰጋገርቲ ዝተዋፈሩ ራሻይዳን ካልኦትን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝሰርሑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን ይጥርጠር።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ኣልማማ ምግፋፍ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንተራ ስደተኛታት ከም ኣሰጋገርቲ ይቕይዱ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ነቲ ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ ይሕደጎ’ዩ ብምባል፣ ብጌጋ መድሃኔ ተስፋማርያም ዝተባህለ ተራ ስደተኛታ ቀይዶም ንመንግስቲ ኢጣልያ ከምዘረከብዎ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚን ካልኦት 25 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ሱዳን ተቐይዶም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢጣልያ፣ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ብዝልዓለ ዝህደን’ዩ” ኢሉ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ መድሃኔ ተስፋማርያም፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓሌርሞ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ጠብቓ መድሃኔ፣ “ክሱስ ተራ ስደተኛ’ዩ” ብምባል ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቑቑ ጉዳዩ ክጻረ ዘቕረቦ ሕቶ ተነጺጉ ኣሎ።

ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እቲ ብዝልዓለ ዝህደን መንድሃኔ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝሓበሩ ምንጭታት፣ ቤት ፍርዲ ፓሌርሞ’ውን እቲ ጉዳይ ኣጸቢቑ ክሳብ ዝጻረ፣ መድሃኔ ተስፋማርያም ክሳብ 4 ሓምለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ምውሳኑ ገሊጾም።

========================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0