መንግስቲ ኢትዮጵያ ን2 ሽሕ እሱራት ምሕረት ሂቡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ንኣስታት 2 ሽሕ እሱራት ምሕረት ከምዝገበረሎም ምንጭታት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።
እቶም ኣስታት 2 ሽሕ እሱራት፣ ገበኖም ብቤት ፍርዲ ዝተረጋገጸ ዝተወሰነን ኮይኑ፣ ብወግዒ ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ  ምሕረት ከምዝገበረሎም ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣቶ ብርሃኑ ሃይሉ ኣረጋጊጹ።

ካብቶም ምሕረት ተጌርሎም ዝተፈትሑ እሱራት፣ ብዘይካ’ቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተኣስሩ ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት፣ ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣውራምባ  ውብሸት ታየን ሂሩት ክፍሌን ዝተባህሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት’ውን ምሕረት ተጌርሎም ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣቶ  ብርሃኑ ሃይሉ፣ ድሕሪ እዚ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ፖለቲካ እሱር ከምዘየለ’ዩ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፖለቲካን ካልእ ክስታትን ኣብ ቀይዲ ንዝኣተዉ ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን፣ ኣብ ከም በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ምሕረት እናገበረ ናጻ ከምዝሰዶም ዝፍለጥ’ዩ።
እንተኾነ እቶም ካብ 2006 ኣትሒዞም ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ሳልሕ ጋማን ተስፋልደት ኪዳነን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተፈትሑን።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0