”ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ትግራይ ጃምላዊ ህልቂት ተፈጺሙ” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

Radio Erena: 15 November 2020

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ትግራይ ጃምላዊ ህልቂት ተፈጺሙ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ12 ሕዳር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ማይ ካድራ ዝተባህለት ናይ ትግራይ ከተማ፣ ብኣማኢት ክቑጸር ዝኽእል ሬሳታት ኣብ ማእከል’ታ ከተማ ከምዝተረኸበ፣ ዘመላኽቱ ጭብጥታት ኣኪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነቲ ትካል ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ሰራዊት ህወሓት ብዕለት 9 ሕዳር ምሸት ነታ ከተማ ገዲፉዋ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ንጽባሒቱ ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ኣብ ጎደናታት ዝተዛሕዘሐ ሬሳታት ብብዝሒ ከምዝረኣዩ መስኪሮም። እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ቀትሪ ሰራሕተኛታት ደኣምበር ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘይብሎም እቶም መሰኻኽር ይገልጹ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ፈቐድኡ ዝተዛሕዘሐ ሬሳታት እኳ እንተተራእየ፣ ኣብ ከባቢ ንግዳዊ ባንክን፣ ናብ ሑመራ ዝወስድ መስመርን ግና ንምርኣዩ ዘስካሕክሕ ትርኢት ከምዝነበረ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘረጋገጾ ይሕብር።

ብዕለት 9 ሕዳር ኣብታ ከተማ ተኹሲ ብዘይምንባሩን፣ ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ከኣ ናይ ካራን ጎዞሞን መውጋእቲ ይረኣዮም ምስ ምንባሩ፣ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ፣ ካብቲ መዓት ዝወጹ ተዓቚቦምሉ ካብ ዘለዉ ሆስፒታላት ጎንደር ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ እዚ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት፣ ብናጻ ኣካል ተጻርዩ ገበነኛ ዝሕተተሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ስርዓትን ጸጥታን ብቑልጡፍ ኣስፊኑ፣ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ናብ ንቡር ክመልስ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ህዝቢ ዓለም ጨካናት አዮም ኢሮፓውያን ኣሜሪካውያን ኢስያውያን አዚኦም ኩሎም ጨካናት ናይምዲ ፍጡራት አዮም መስጣ ግና ብረቂቅ ሓይሊ ግዜ ክገላበጥ አዩ ማዓስ ብዘየገድስ
    መሰል ከምዘክብሩ መሰል ይብሉ ኩሉ ሓይሊ ኮሎዎም ስቅ ኢሎም ይዕዘቡ ዝአለ ገዲፎም ዘይዕሎ ይዓልዉ
    ህዝቢ ኣብ ማይ ካድራ ምማቶም ናይ ብሓቂ ድዩ ተሰሚዕዎም ?
    ኣይኮነን ንካልአ አዋን ከም ኣጀንዳ መክሰሲ ክኮኖም አዮም
    ንመራሕቲ ኢቶጵያ ምስ ግዜ መቆጻጸርን መፈራርሕን ክኮኖም ደልዮም ።
    አንበር አቲ ሓቅስ ካልአ አዩ ነይሩ አዚ ኩሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝበሳበስን ዝመውትን ዘሎ መፍትሑ ኣብ ኢድ ሓያላትን ሃፍታማትን ሃገራት ከም ካርታ ጌም መጻወቲኦም ይገብርዎ ስለ ዘሎዉ አዩ።
    Stop
    ባኣፍካ ሰላም STop ጸወታ ብሂወት
    ስለምንታይ ኢኹም ንዓለም ብሰላም ዘይተርግአዋ
    ደቂ ኣዳም ደናቁር ኣንነት ገዲፍና ካልአ ናዓዮ ናይ ሓባር ዕዮ ብዙሕ ነይሩ ግን ርአስኹም ተንኮል ኣንነትን ኽትሓስቡ ነቲ ካል ክንበጽሖ ዘሎና ምዕባለ ዛሓስብ ኣአምሮ ቦታ የብልኩምን
    ማሽን ኣብ ምድሪ ስለ ዝማሃዝኩም ምዕባለ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሐ መሲልኩም ግን ገና 20% ጥራይ አዩ ተሰሪሑ ዘሎ
    ደቂ ኣዳም STOP ሕምእቕ ሓሳብ አቲ ትክአልዎ ሰናይ ስርሑ
    ኣብ ጠንቂ ዝዋዓለት ኢድኩም
    ኣብ ገበን ንሰብ ኣይተውዕሉ

    ኽርቢት ዝሽርጥጥን ላምባ ዝክስክስን መን ዩ ገበነኛ???