ኢትዮጵያ፣ ‘ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ክንውድኦ ኢና’ ፈደራላዊ መንግስቲ

Radio Erena: 15 November 2020

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ጀሚሩዎ ዘሎ ኲናት፣ ኣብ ሒደት መዓልታት ክውድኦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ደመቀ መኮነን ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ኣውጺኡዎ ዘሎ መደብ ከይወደአ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዘራረብ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ንሱ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ዒላምኡ ኣብ ዝሃርመሉ፣ ተኸታታሊ ኣኼባታት ክካየድ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ወከልቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብት ኣጋጣሚ ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ ኣብ ትግራይ ስሩዕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክጅመር፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ንዘድልዮም ወገናት መንገዲ ክጣጣሕ፣ ከም መስመራት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ጽርጊያን ማይን ዝኣመሰሉ ከኣ ንቡር ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ሓቲቶም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 800 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከምዘለዉን፣ ንምርካቦም ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎን ገሊጾም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ እንደልዮ ዓወታት ንጎናጸፎ ኣለና ክብል እንከሎ፣ ዶክተር ደብረጽዮን ብወገኑ፣ ሰራዊት ሃገር ንዓና ክሒዱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንዝፍጽመልና ዘሎ መጥቃዕታት ንምክቶ ኣለና ኢሉ። እንተኾነ ምስ ምቁራጽ ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት፣ ካብ ሳልሳይ ወገን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Demeke mekonen is a killer the last 30 years hidden behind eprdf,so the world community should not be trusted, it is been 2 weeks since the war started, clueless leaders is what Ethiopia has!!