ኣፍሪቃ፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 20 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 05 August 2020

ኣብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 960 ሽሕ ከምዝበጽሐ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

እቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝወከለ ጥዕናዊ ማእከል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ብዝሒ ናይቶም ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ 3 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ግዜ 20288 ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ኣፍሪቃ እተን ዝበዝሐ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ዝተራእየለን ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ ናይጀርያን’የን።

ብፍላይ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ብደረጃ ኣህጉር ዝተመዝገበ ብዝሒ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ።

ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ እታ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዙሕ ዘየጥቀዓ ኣህጉር ምዃና’ያ ትግለጽ።

ይኹን’ምበር፣ ብቕዓቱ ዝሓለወ መመርመሪ ምስ ዘይምህላውን፣ ጠንቂ ሞት ሰባት’ውን ብንጹር ይምዝገብ ምስ ዘይምህላዉ፣ እቲ ብዝሒ ካብዚ ዘለዎ ብዕጽፊ ክዛይድ ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሓያሎ ሃገራት ንፖለቲካዊ ዕላማታት፣ ንጹር ሓበሬታ ይህባ ከምዘየለዋ ይውቀሳ’የን።

34 ሃገራት ዛጊት ምስ ኮረና ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዶባተን ምሉእ ብምሉእ ዓጽየን ይርከባ።

ኤርትራ፣ 282 መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ከምዝመዝገበት’ያ ትገልጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0