ግብጺ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ናይል ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክትፈትሖ መደብ ከምዘይብላ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ገሊጹ

Radio Erena: 30 July 2020

ግብጺ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቃቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምፍታሕ መደብ ከምዘይብላ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብ28 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ንግብጺ ስግኣት እኳ እንተኾነ፣ እቲ ጉዳይ ብዘተን ዲፕሎማሲን ንምፍታሕ ጻዕርታት ክቕጽል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ህዝቢ ግብጺ፣ ብዛዕባ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ ተበግሶ ፍርሒ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ ግብጺ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ወትሃደራዊ ሓይሊ ክትጥቀም ትኽእል’ያ ዝብል ምጉት ግና ሜድያታት ዝበልኦ ደኣ’ምበር መርገጺ መንግስቲ ግብጺ ከምዘይኮነ ኣነጺሩ።

ኢትዮጵያ፣ ሳላ ዝወረደ ሓያል ዝናብ፣ ዲጋ ተሃድሶ ከፊላዊ ማይ ከዕቍር ድሕሪ ምጅማሩ፣ ግብጺን ሱዳንን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ክወሃበንን ዘተ ብስሩዕ ክካየድ’የን ዝጠልባ።

ካብ 2011 ኣትሒዙ ክህነጽ ዝጀመረ ዲጋ ተሃድሶ ዝበዝሐ ክፋሉ ተዛዚሙ፣ መጠናዊ ማይ ከዕቑር ከምዝኸኣለ ብወገን ኢትዮጵያ ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0