ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ቱሪዝም ዓለም 320 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ኣስዒቡ

Radio Erena: 30 July 2020

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ቱሪዝም ዓለም 320 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበ ተገሊጹ።

ውድብ ቱሪዚም ዓለም ብ28 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እዚ ክሳራ ስዒቡ ዘሎ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብዝሒ በጻሕቲ ሃገር ብፍርቂ’ዩ ጎዲሉ።

ብፍላይ ኣብ ወርሒ ግንቦት፣ ብዝሒ በጻሕቲ ሃገራት ብደረጃ ዓለም ብ98%’ዩ ኣንቆልቝሉ።

ዝበዝሐ በጻሕቲ ሃገራት ዝእንገደሉ ወቕቲ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ምስ ምዃኑ፣ ናይዚ ዓመት እዚ ኣታዊታት ቱሪዝም ብምድምር ክርአ እንከሎ፣ ካብዚ በቲ ውድብ ዝተጠቕሰ ክዛይድ ከምዝኽእል ይጥቀስ።

ሓያሎ ሃገራት፣ ዶባተንን ክሊ ኣየራተንን ንበጻሕቲ ይኸፍታ እኳ እንተለዋ፣ እቲ ለበዳ ኣብ ቁጠባን ስነኣምሮኣዊ ኩነትን ህዝቢ ፈጢርዎ ብዘሎ ጽልዋ ግና ብዝሒ በጻሕቲ ሃገራት፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብቅልጡፍ ክዓቢ ከምዘይኮነ ይትንተን።

ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝወሓደ ብዝሒ በጻሕቲ ሃገራት ዝተመዝገበላ ዓመት 2009 ኮይኑ፣ ምስቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝተተሓሓዘ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0