ኤርትራ፤ ምህናጽ ፕሮጀክት ዳናካሊ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ

Radio Erena: 26 July 2020

ኣውስትራልያዊ ትካል ዕደና ዳናካሊ፣ ኣብ ኤርትራ ጀሚሩዎ ዘሎ ምህናጽ ፕሮጀክት ፖታሽ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጅኡ ከምዘብጸሖ ተገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ፣ ነቲ ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ናይ ስራሕ መደባት ብምቕባሉ ዝተሰመዖ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ፣ ፍርያት ክጅምር ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ምስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ትካል ኤናምኮ ንፍርቂ ተሻሪኹ ዝሰርሕ ትካል፣ ምህርቱ ንዕዳጋ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፣ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣፍረይቲ ንመስርሒ ድኹዒ ዘገልግሉ ንጥረ ነገራት ክኸውን ትጽቢት ይገበረሉ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ 36 ኣዋርሕ ፍርያቱ ንዕዳጋ ከውርድ መዲቡ ዘሎ እቲ ናይ ኮሉሊ ፕሮጀክት፣ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃን፣ ኢምፖርት-ኤክስፖርት ባንክ ኣፍሪቃን ብሓባር ብዝሃቡዎ ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ እዩ ዕማማቱ ከሳልጥ።

ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ፣ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ብርኪ እውን ካብቲ ትካል ገዚኡ ከምዘሎ የፍልጥ። 25 ሚልዮን ዶላር ካብዚ ድሮ ተኸፊሉ እዩ፣ ዝተረፈ ከኣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክኸፍሎ እዩ።

ፕሮጀክት ኮሉሊ ኣብ 2021 ዓመተ ምህረት፣ 3% ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ኤርትራ ክሽፍን እዩ። ኣብ 2030 ከኣ 50% ኤርትራ ንሰደድ ካብ እትልእኮ ክሽፍን ምዃኑ፣ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

እዚ ንኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ትጽቢት ዝግበረሉ ፕሮጀክት፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ዓቢ ጸጋ እኳ ዝረአ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኩሉ ዕደናዊ ንጥፈታት’ታ ሃገር ብግዱድ ዕስክርና ዘካዪዶ ምስ ምዃኑ፣ ንካልእ ተወሳኺ ምግሃስ መሰላት ማዕጾ ዘርሕው ከይከውን ስግኣት ሓያሎ ወገናት እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Nuguse melles 4 years ago

    ልሙስ ከልቢ ድራር ዕለቱ ንኸይሕረሞን : ንጎይትኡ ከሐጉስን ብልኽስሱ ምንባሕ ኣይገድፍን ንምንታይሲ ውሕውሕ ዘገድፈላ ህሞት ውዕለቱ ከምዘኽትም ስለ ዝፈልጥ::  ኢልካ’ታይ ኣምጻኻ እንድዩ … ከምቲ ልሙስ ከልቢ  ብዛዕባ ኤርትራ ኣሉታዊ ርኢቶ እንተዘይ ገበርኩም ድራር ዕለትኩም ዝህብ  ኣኸዳሚኹም  ናይ ጨለ ሞጎሰን ድራር ዕለትን ስለዘይትረኽቡ ምንባሕኩም ገመል ተረዲእዎ ኣኸደምትኹምውን ፍሹላት ምኻንኩም ተረዲእዎም’ዩ :: 

  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ስርይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይ ሰይይይይይይ….
    ኤረና ሰላሕ እናበለት ኣብ ንድሕሪት ዘይትብለሉ ደረጃ ምብጽሓ ፈታውን ጸላእን ፈሊጥዎ። ህግደፍ ደው ይበለልና። ዕድመን ጥዕናን ድማ ነቶም ነዚ ክንርኢ ዕድሚኦም ሙሉእ ዝሰርሑን ጌና’ውን ዝሰርሑ ዘለዉ መራሕትና።
    እንተ’ቶም፡ ንመንግስቲ ጸሊእና ኢና’ሞ፡ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ክንርኢ ኣይንደልይን’ና ኢልኩም ሕማቕ ዜና ናይ ኤርትራ ሃሰስ ኢልኩም ክትፍሕትሩ ትውዕሉ ግን፡ ምሕረት የውርደልኩም። ሰሰናዩ ንኤርትራ ሃገርና።