ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ 10ታት ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ይህብ

Radio Erena: 27 July 2020

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ብቁጠባ ንዝተሃስያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ምስልዑ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ልዕሊ 41 ሚልዮን ንጂቡቲ፣ 25 ሚልዮን ድማ ንሶማል ሂቡ።

እቲ ገንዘብ፣ ኣብ ሃገራዊ ባጀት እዘን ሃገራት ክውዕል ምዃኑ መግለጺ ናይቲ ባንክ ኣነጺሩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኤርትራ ንእትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝገበረ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ እቲ መደብ ቀጽሊ ምህላዉ ኣተንቢሁ።

81 ሃገራት ብኣባልትነት ዝሓቖፈ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መስከረም 1964’ዩ ተመስሪቱ።

መደበሩ፣ ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ከተማ ኣቢጃን ዝገበረ እቲ ፊናንስያዊ ትካል፣ ንልምዓት ኣፍሪቃ ዝቆመ’ዩ።

ኣብዚ ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብኸቢድ ክህሰ ምዃኑ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ባንክ ክሳብ 10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ልቃሕን ሓገዝን መደባት ኣዳልዩ ከምዘሎ ይሕብር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0