ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት፣ ህዝበን ብከቢድ ናይ መነባብሮ ቅልውላውን ጥሜትን ይግረፍ

Radio Erena: 16 July 2020

ኤርትራ እትርከበን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት፣ ህዝበን ብከቢድ ናይ መነባብሮ ቅልውላውን ጥሜትን ይግረፍ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ካብ በበይነን ኣህጉራውያን ትካላት ስታቲስቲክስ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እዋን፣ ኣዝዩ ገኒኑ ዝረኣይ ዘሎ ናይ ቁጠባ ቅልውላው፣ ቀንዲ መሰረቱ ስርዓተ ሕጊ ዘይክተል ምሕደራን ውሽጣዊ ግርጭትን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ማእከል ስታቲስቲክስ ሱዳን ብዕለት 14 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ቁጠባዊ ዝቕባበ እታ ሃገር ናብ 136 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
እዚ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ብልዕሊ 22 ሚእታዊት ዝወሰኸ ዝቕባበ ዝፈጠሮ ምንቁልቋል ሸርፊ ባጤራ’ታ ሃገር፣ ኣብ መግቢ፣ ነዳዲን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኤርትራ እውን፣ መንግስቲ ነዚ ኣብ ገዛ ናይ ናይ ምዕጻው እዋን ተጠቒሙ፣ ንኩሉ ንግዳዊ ንጥፈታት ደው ከምዝብል ምግባሩ፣ ካብን ናብን’ታ ሃገር ዝኣቱ ኮነ ዝወጽእ ዋኒን ብዘይምህላዉ፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ወዲቑ ከምዘሎ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ገዛ ናይ ምውሻብ እዋን ምሕላፉ ዝህሉ ቁጠባዊ ስትራተጂን፣ ንምሕዋዩ ዝተኣመመ መደባትን ዝገልጽ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ንህዝቢ ስለዘይተገልጸ፣ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብቐንዱ ኣብቲ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ከምዘሎ እዩ ብበበይኖም ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ትንታነ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብተመሳሳሊ፣ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነትን ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግርጭትን፣ ኣብ ቁጠባ ከቢድ መሓንቖ ፈጢሩ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0