ቁጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝሞቱ ስደተኛታት ጎዲሉ

Radio Erena: 17 July 2020

ቁጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝሞቱ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝተዓጻጸፈ ከምዝጎደለ ተገሊጹ።ይጎድል

ሕብረት ኤውሮጳ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ባጀት ብምስላዕ፤ ስደተኛታት ገና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሃገራት ኣፍሪቃ እንከለዉ ከምዝተሓዙ እኳ እንተገበረ፤ ናይዚ ዓመት’ዚ ቁጽሪ ናይ ክሰግሩ ዝፍትኑ ምጉዳሉ ግና ምስ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፤ ኣብዚ ዓመት’ዚ፤ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 384 ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምሟቶም፤ ዋላ’ኳ እቲ ቁጽሪ ብዝተዓጻጸፈ እንተጎደለ፤ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፍነት ክስከም እዮም ተጣበቕቲ መሰላት ዝጽውዑ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት፤ልዕሊ 36 ሽሕ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ መዓስከራት ከምዝወርዱ ተገይሩ’ሎ። ሎጂስቲካዊን ስልጠናን ብምሃብ ጥራይ ዘይኮነ ናይ 373.8 ሚልዮን ፋይናስያዊ ሓገዝ ብምግባር፤ ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ብምክያዱ እዮም ተጣበቕቲ መሰላት ዝኸሱ።

ዝለዓለ ቁጽሪ ግዳያት ማእከላይ ባሕሪ ዝተመዝገበላ ዓመት 2016 ክትከውን እንከላ፤ ኣብታ ዓመት’ቲኣ ልዕሊ 5 ሽሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ግና ጸሊም መዝገብ ዘንበረት 2013፤ ዓመተ ግዳያት ላምፐዱዛ ኢልና እንዝክራ ዓመት ኮይና ኣላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0