ኣዲስ ኣበባ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝውሰድ ዘሎ ሻውላት ናይ ምፍራስ ስጉምቲ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም

Radio Erena: 30 April 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ብዝተወስደ ሻውላት ናይ ምፍራስ ስጉምቲ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብዘይመጽለሊ ከምዝተረፉ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ወቒሱ።

እቲ ዝፈረሰ ሻውላት፣ ብቴንዳ፣ ኪሻ ወይ ድማ ጎማን ዕንጸይትን ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ነበርቱ ኣብ ዕለታዊ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝተዋፈሩን፣ ስሩዕ ኣባይቲ ተኻርዮም ክነብሩ ዘይክእሉን ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ህዝቢ ካብ ኣባይቱ ከይወጽእ ዝኽልክል ኣዋጅ፣ ሓያሎ ትካላት ሰራሕተኛታትን ስለዝሰጎጋ፣ እዞም ኣብዚ ሻውላት ክነብሩ ዝጸንሑ ድማ ብሰንኩ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም’ዮም ዝርከቡ።

ኣብ ርእሲ’ኡ፣ ፈቐድኡ ንዝተጨርሐ ሻውላት ንምፍራስ፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ኣትሒዙ ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ኣማኢት ሰባት ብዘይመጽለሊ ክተርፉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ቆልዑ ዝሓዛ ስድራቤታት ግዳያት’ዚ ናይ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ስጉምቲ ኮይነን ምህላወን፣ ኣምነትስ ኢንተርናሽናል ንዝኣከቦ ጸብጻባት ብምጥቃስ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኑ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ህዝቢ ኣብ ኣባይቲ ከጽልልን ውሑስ ኣገልግሎታት ማይን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ክረክብ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፣ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ግና ብኣንጻሩ ምዃኑ’ውን ነቒፉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0