ኬንያ፣ 18 ዜጋታታ ኣብ ወጻኢ ብኮረና ቫይረስ ከምዝሞቱ ገሊጻ

Radio Erena: 30 April 2020

መንግስቲ ኬንያ፣ ብውሕዱ 18 ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታቱ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማቻርያ ካሙ ብምጥቓስ ጋዜጣ ዘ ስታንዳርድ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ሬሳ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝሞቱ ኬንያውያን ከምጽኡ ዝደልዩ ስድራታት ወይ መቕርብ ብወጻኢታቶም እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ከምዘይሕግዞም ኣመልኪቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ቻይናን ህንዲን ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኣስታት 500 ኬንያውያን ካብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣትሒዞም ብወጻኢታቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ቻይና ልዕሊ 3 ሽሕ ኬንያውያን እኳ እንተለዉ፣ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ዝሞተ ኬንያዊ ከምዘየለ’ውን እቲ በዓል ስልጣን ኣነጺሩ።

መብዛሕቶም እቶም ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ኣብ ወጻኢ ዝሞቱ ልዕሊ 18 ኬንያውያን ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝነበሩ’ዮም።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናይ ምዝሓል ምልክታት የርኢ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብስራሕ፣ ትምህርቲን ሕክምናን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታተን ነናብ ዓደን ይመልሳን ብዝሒ ግዳያት ድማ ኣብ ምጽራይን’የን ዝርከባ።

ኣብ ኣመሪካ፣ ኢጣልያ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብውሕዱ 8 ኤርትራውያን ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ከምዝሞቱ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝተጻረየ ጸብጻብ ኣየቕረበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0