ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዩ

Radio Erena: 20 February 2020

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዘስፋሕፈሐ ሚኒስተሪ ሕርሻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ኡጋንዳ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝሳገመ ዝግለጽ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፣ ነታ ድሮ ብዋሕዲ መግቢ ኣብ ቀይሕ መስመር ካብ ዘላዋ ሃገራት እናተባህለት እትግለጽ ደቡብ ሱዳን ብዝበኣሰ ከየጋድዶ መጠንቀቕታ ቀሪቡ።

እቲ ብናይ በረኻ ኣንበጣ ዝፍለጥ ዕስለ፣ ዘራእቲ እታ ሃገር ከየብረሰ እንከሎ መሻርኽቲ መንግስቲ ዱቡብ ሱዳን ቅልጡፍ ሓገዝ ከበርክታ ውድብ መግብን ሕርሻን ጸዊዑ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ እንቋቁሖ ከይጸፍን፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናሰገረ ተወሳኺ ዕንወት ከየብጽሕን ንምግትኡ ውሁድ ናይ መድሃኒት ምንጻግ ንጥፈታት ክካየድ’ውን ተላብዩ።

ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ጂቡቲን ኬንያን ድሮ ነቲ ጸጸኒሑ ዘጥቅዕ ዘሎ ወራር ዕስለ እንበጣ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ምምካት’የን ጸኒሐን።

ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ድማ ሓደስቲ ግዳያት እዚ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 150 ኪሎሜተር እናሳገመ ዘጥቅዕ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኮይነን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን እተን ቀንዲ በዚ ወራር ዝተሃስያ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ብፍላይ ሶማል ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ ኣዊጃ ትርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0