ልዕሊ 30 ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዝትዩ

Radio Erena: 20 February 2020

ልዕሊ 30 ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሃገራት ኣፍሪቃን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ጉዳይ ሽበራን ጸጥታን ብምትኳር ካብ 18 ክሳብ 21 ለካቲት ዝካየድ ዘሎ ዘተ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሶማል ሰለስተ ወትሃደራት ኣመሪካ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሽንበራውያን ጉጅለታት ይካየድ ብምህላዉ ብኣመሪካ ዝተወደበ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሜጀር ጀነራል ሮዠር ክሉትየ ኣቐዲሙ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኣልሸባብ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ስግኣታት ምዃኑ ጠቒሱ’ዩ።

እቲ ጀነራል፣ ኣመሪካ፣ ሰራዊታ ጠቕሊላ ካብ ኣፍሪቃ ከምዘይተወጽእ’ውን ኣረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ሚኒስተራት ምክልኻል ኣመሪካን ፈረሳን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ሓይልታቶም ምስ ሰራዊት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር፣ ኣንጻር እቶም ኣብ ቅናት ሳሕልን ሶማልን ዝርከቡ ሽበራውያን ጉጅለታት ስርሒታቶም ከሐይሉ ተሰማሚዖም’ዮም።

እቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘካየድዎ ዘለዉ መበል ሻሙናይ ዋዕላ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃን ኣመሪካን 2020 ዝተሰምየ ርክብ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ቻይናን ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብርኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ጠመተ ምዃኑ’ውን ተንተንቲ ይገልጹ።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ብላዕለዋት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተወከለ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣይትሳተፍን’ያ ዘላ።

ፈረንሳ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊታ ከተዕቢ ምዃና ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0