ሕቡራት ኢማራትን ኢትዮጵያን ወትሃደራዊ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 21 November 2019

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ወትሃደራዊ ስምምዕ ክገብራ ዘኽእለን መዘክር ከምዝኸተማ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት ሓቢሩ።

ነቲ ስምምዕ ብ19 ሕዳር ኣብ ዱባይ ዝኸተሙ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ለማ መገርሳ ክኸውን እንከሎ ብወገን ኢማራት ድማ ሚኒስተር ዴ’ ታ ሚኒስትሪ ምክልኻል መሓመድ ቢን ኣሕመድ ኣል ቦዋርዲ’ዩ።

ዝርዝር ናይቲ ዝተኸተመ መዘክር ኣይተሓበረን።

እቲ መዘክር ዝተኸተመ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዘሎ መበል 16 ምርኢት ነፈርቲ ‘ዩ።

ምርኢት ነፈርቲ ዱባይ፣ ነፈርቲ ውግእ፣ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ዓይነታት ነፈርትን ዝሸጣ ሃገራት፣ ፍርያተን ንዕዳጋ ዓለም ዘላልያሉ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማእከል ንግዳዊ ምርኢታት ዓለምና’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኣየራ ንምዕባይ ካብ ፈረንሳ’ውን ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን ንምሽማት ዘቕረበቶ ዝርዝር ኣብዚ ሰሙን’ዚ ምቅልዑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0