ኖርወይ፣ ኤርትራውያን ተዓቝብምሉ ዘለዉ፣ ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ዝውዕል ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 20 November 2019

ኖርወይ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፣ ካብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዘለዉ፣ ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ንምሕጋዝ ዝውዕል ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምዕባለን ምትሕግጋዝን ዳግ ኡሊስተን፣ ኣብ ርዋንዳ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት፣ ናብ መዓስከር ጋሾራ ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ።

ንሱ፣ ነርወይ ነቲ ግዝያዊ መጽንሒ ትሕግዝ ዘላ ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ብምጥቃስ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣማኢት ስደተኛታት ካብዚ መዓስከር ናብ ኖርወይ ክጣየሱ ምዃኖም ኣንፊቱ።

ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስድተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር መዓስከር ጋሾራ፣ ካብ ሊብያ ዝተመልሱ 189 ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ብግዝያውነት ኣዕቝቡ ይርከብ።

79 ካብኣቶም ብዘይኣላይ ዝተሰዱ ትሕቲ ዕድም ቆልዑ’ዮም።

እቲ ግዝያዊ መጽንሒ፣ ምሉእ ብምሉእ ምስተዛዘመ ኣስታት 500 ስደተኛታት ከዕቑብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ፣ ካብ ከተማ ኪጋሊ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ይርከብ።

ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ክትቕበል ከምእትኽእል’ያ ትገልጽ።

ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ግቡእ መሰላቶ ስለዘይተሓለወ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኡጋንዳ ክስገሩ ከምዝተገደዱ ይጠቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0